1. ሃሌሉያ። ነፍሰየ፣ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ።
2. ብህይወተይ ከሎኹ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ፣ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ክውድሶ እየ።
3. ብመሳንፍቲ፣ በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ።
4. ትንፋሱ ይወጽእ፣ ናብ መሬት ይምለስ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ።
5. ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዲኤቱ፣ ተስፋኡ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝገበረ ሰብ ብጹእ እዩ።
6. ንሰማይን ምድርን፣ ንባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ፣ ንሓቂ ኽሳዕ ዘለአለም ዚሕሉ፣
7. ንጥቑዓት ፍትሒ ዜውጽኣሎም፣ ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም ንሱ እዩ፣ እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም።
8. እግዚኣብሄር ነዒንቲ ዕውራት ይኸፍተን፣ እግዚኣብሄር ንዝደነኑ የቕንዖም፣ እግዚኣብሄር ንጻድቃን የፍቅሮም፣
9. እግዚኣብሄር ንስደተኛታት የዕቊቦም፣ እግዚኣብሄር ንዘኽታምን መበለትን ይአልዮም፣ ንመገዲ ረሲኣን ግና ይጠዋውያ።
10. እግዚኣብሄር ንዘለአለም ይነግስ፣ ዎ ጽዮን፣ ኣምላኽኪ ንውሉድ ወለዶ ይነግስ። ሃሌሉያ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...