1-3. ኣታ ኣምላኽ ምስጋናይእፍ ረሲእን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶምብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፣ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ አለዉ እሞ፣ ስቕ ኣይትበል።

4. አብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተጻረሩኒ፣ ኣነ ግና እጽሊ አሎኹ።

5. አብ ክንዲ ሰናይ እከይ፣ ኣብ ክንዲ ፍቕረይ ከኣ ጽልኢ ፈድዮምኒ

6. ረሲእ ኣብ ልዕሊኡ ኣቝመሉተጻራሪ ኣብ የማኑ ይቑም

7. ምስ ተፈርደተረቲዑ ይውጻእ፣ ጸሎቱውን ንሓጢኣት ይኹኖ።

8. መዓልትታቱ ሒደት ይኹና፣ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ

9. ውሉዱ ዘኽታማት ይኹኑ፣ ሰበይቱውን መበለት ትኹን።

10. ውሉዱ እናዞሩ ይለምኑ፣ ካብተን ዝዐነዋ ኣባይቶም ርሒቖም፣ እንጌራ ይድለዩ

11. ንዘለዎ ዅሉ እቲ መሓረጺ ይሐዞጓኖት ከኣ ንጻማኡ ይዝመትዎ

12. ዚልውሃሉ ሓደ እኳ ኣይረኸብ፣ ንዘኽታማቱ ዚርሕርሓሎም ከኣ ሓደ እኳ ኣይሀሉ።

13. ሐድጉ ይጽነቱስሞም ኣብ ካልኣይ ወለዶ ይደምሰስ

14. በደል ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዘከርሓጢኣት ኣዲኡ ኸኣ ኣይደምሰስ

15. ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይኹኑ፣ መዘከርታኦም ካብ ምድሪ የጥፍኣዮ

16. ንመስኪንን ንድኻን ነቲ ልቡ እተሰብረን ምእንቲ ኪቐትሎም ሰጐጎም እምበር፣ ምሕረት ኪገብር ስለ ዘይሐሰበ

17. ንመርገም ፈተዋ፣ ንሳ ኸኣ መጸቶንበረኸት ኣይበሀጋን፣ ንሳውን ረሐቐቶ

18. ንመርገም ከም ክዳኑ ተኸድና፣ ንሳ ኸኣ ከም ማይ ናብ ውሽጡ፣ ከም ቅብኢውን ናብ ኣዕጽምቱ ሰረጸት

19. ከምቲ ዚጓናጸፈሉ ልብስን፣ ከምቲ ዅሉ ጊዜ ዚዕጠቖ ቕናትን ይኹኖ።

20. እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ናይ ተጻረርተይን ናይቶም ኣብ ነፍሰይ ክፉእ ዚዛረቡን ፍዳ ይኹን።

21. እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ርድኣኒ፣ ጸጋኻ ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣናግፈኒ

22. ኣነ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፣ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ቈሲሉ አሎ።

23. ከም ዚነውሕ ጽላሎት እኸይድ፣ ከም ኣንበጣውን እስጐጕ አሎኹ።

24. ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፣ ስጋይ ከኣ ካብ ስብሑ ዐበረ

25. መላገጺኦም ከኣ ዀንኩ፣ እንተ ረአዩኒ ርእሶም ይንቕንቑ

26-27. እግዚኣብሄር ኣምላኸይርድኣኒ፣ እዚ ኢድካ ምዃኑ፣ ንስኻ ኸም ዝገበርካዮ ኺፈልጡስ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ብመጠን ጸጋኻ አናግፈኒ

28. ንሳቶም ይረግሙ፣ ንስኻ ግና መርቕ፣ እንተ ተንስኡኪሐፍሩ እዮም። ባርያኻ ግና ኪሕጐስ እዩ።

29. ተጻረርተይ ውርደት ይከደኑንነውሮም ከኣ ከም ነጸላ ይወንዘፍዎ

30-31. ካብቶም ንነፍሱ ዚዀንንዋ ኼድሕኖስ፣ ኣብ የማን እቲ ድኻ ቈይሙ አሎ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ ኣዝየ ኸመስግኖ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ።