1. ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሪ

2. ንእግዚኣብሄር ዘምሩንስሙ ባርኹ፣ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ አበስሩ

3. ክብሩ ኣብ ማእከል አህዛብተአምራቱ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት አዘንትዉ

4. እግዚኣብሄር ዓብዪምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ እሞ፣ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ።

5. ኵሎም ኣማልኽቲ አህዛብ ከንቱ እዮም፣ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ

6. ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡሓይልን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ።

7. አቱም ዓሌታት አህዛብንእግዚኣብሄር ሀቡክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ

8. ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስሙ ሀቡመስዋእቲ ሒዝኩም ናብ አጸዱ እተዉ

9. ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ክብረት ስገዱ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ኣብ ቅድሚኡ አንቀጥቅጢ

10. አብ ማእከል አህዛብእግዚኣብሄር ነጊሱዓለምውን ከይትናቓነቕ ጸኒዓ አላ፣ ነህዛብ ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ፣ ኢልኩም ንገሩ።

11. ሰማያት ይተሐጐሱምድሪውን ባህ ይበላ፣ ባሕርን ምልአቱን ይናወጽ

12-13. ይመጽእ፣ ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእንዓለም ብጽድቂነህዛብ ብሓቂ ኺፈርድ እዩ እሞ፣ መሮርን አብኡ ዘሎ ዅሉን ባህ ይበሎም፣ ሽዑ ዅላቶም ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ኪብሉ እዮም።