1-3. ኣታ ልዑልንግሆ ሳህልኻለይቲውን እምነትካ ምውራይዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብጭራን ብምውቃዕ መሰንቆን ንእግዚኣብሄር ምምስጋንንስምካ ምዝማር ሰናይ እዩ።

4. እግዚኣብሄርብግብርታትካ ኣሐጒስካኒ ኢኻ እሞ፣ ብዛዕባ ተግባር ኣእዳውካ እልል ክብል እየ።

5. ጐይታይግብርኻ ኸመይ ዓብዪ እዩ፣ ሓሳብካ ኣዝዩ ዓሚቚ እዩ።

6. ዳንደ ኣይፈልጦንዓሻውን ኣየስተውዕሎን እዩ።

7. ረሲኣን ከም ሳዕሪ እንተ ለምለሙ፣ ኵሎም ገበርቲ እከይውን እንተ ዐምበቡንሓዋሩ ምእንቲ ኺጠፍኡ እዩ።

8. ጐይታየ፣ ንስኻ ግና ንዘለአለም ልዑል ኢኻ።

9. ጐይታየ፣ እንሆ ጸላእትኻ፣ እነዉ ጸላእትኻ ይጠፍኡ አለዉ እሞ፣ ኵሎም ገበርቲ እከይ ኪብተኑ እዮም።

10. ግናኸ ንቐርነይ ከም ናይ ጎባይ ኣልዐልካዮብሓድሽ ዘይቲ ተቐባእኩ

11. ዓይነይ ድማ ነቶም ተጻረርተይ ባህ ኢልዋ ትምልከቶምኣእዛነይውን ብናይቶም ዚትንስኡኒ ኽፉኣት ተሐጒሰን ይሰምዓ

12. ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፣ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዐቢ

13. እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ

14-15. እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስብእርግናኦም ድማ ይፈርዩይውረዩን ይልምዑን። እግዚኣብሄር ከውሔይ እዩ፣ አብኡውን ዓመጻ የልቦን።