1. ግብርታት ጸጋ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ክዝምርብኣፈይ ንውሉድ ወለዶ እምነትካ ኸፍልጥ እየ።

2. ጸጋ ንዘለአለም ኪህነጽእምነትካ ኣብ ሰማያት ከተጽንዕ ኢኻ፣ በልኩ እሞ፣

3. ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣቶኹንዳዊት ባርያይ መሐልኩሉ

4. ዘርእኻ ንዘለአለም ከጽንዕዝፋንካውን ንውሉድ ወለዶ ኽሀንጽ እየ። [ሴላ።]

5. ጐይታየሰማያት ከኣ ንተኣምራትካንእምነትካ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ኪውድሱ እዮም።

6. አብ ጠፈር ንእግዚኣብሄር ዚመዓራረዮስ መን እዩ፧ ካብ ውሉድ ስልጡናትከ መን እዩ ንእግዚኣብሄር ዚመስሎ

7. ኣብ ምኽሪ ቅዱሳን ኣዝዩ ዜፍርህ፣ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅላቶም ዜሸብርን ኣምላኽ እዩ።

8. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ ከማኻ ስልጡን መን እዩ፧ ዎ ጐይታይ፣ እምነትካውን ኣብ ዙርያኻ አሎ።

9. ንትዕቢት ባሕሪ ትገዝኦማዕበላቱ እንተ ተንስኤ፣ ንስኻ ተህድኦ

10. ከም እተወግኤ ጌርካ፣ ንረሃብ ቀጥቂጥካዮብሓይሊ ቕልጽምካ ንጸላእትኻ በቲንካዮም ኢኻ።

11. ሰማያት ናትካ እዩ፣ ምድሪውን ናትካ እያ፣ ንዓለም ምስ ምልኣታ ሰሪትካያ

12. ንሰሜንን ደቡብን ንስኻ ፈጠርካዮታቦርን ሄርሞንን ብስምካ እልል ይብላ።

13. ሓያል ቅልጽም አሎካ፣ ኢድካ ብርትዕቲየማነይትኻ ልዕልቲ እያ።

14. መሰረት ዝፋንካ ጽድቅን ቅንዕናን እዩ፣ ሳህልን ሓቅን ቀቅድሚ ገጽካ ይኸዳ አለዋ።

15. እቲ እልልታ ዚፈልጥ ህዝቢ ብጹእ እዩ፣ ዎ እግዚኣብሄርብብርሃን ገጽካ ይመላለሱ

16. ብስምካ ምሉእ መዓልቲ ይሕጐሱብጽድቅኻውን ልዕል ይብሉ።

17. ክብሪ ሓይሎም ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ብሞገስካ ቐርንና ልዕል ኪብል እዩ።

18. ዋልታና ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፣ ንጉስና ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።

19. በቲ ዘመን እቲ ብራእይ ንቅዱሳንካ ኸምዚ ኢልካ ተዛረብካዮምረዲኤት ኣብ ልዕሊ ጅግና አንቢረ፣ ካብ ህዝቢ ሓደ ሕሩይ ኣልዒለ

20. ንዳዊት ባርያይ ረኺበዮብቕዱስ ዘይተይ ቀቢኤዮ

21. ኢደይ ኵሉ ጊዜ ምስኡ ኽትከውን እያ፣ ቅልጽመይ ከኣ ኬበርትዖ እዩ።

22. ጸላኢ ኣይኪወድቆንዓማጺ ኸኣ ኣይኪጠቕዖን እዩ።

23. ንጸላእቱ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኽቕጥቅጦም፣ ነቶም ዚጸልእዎውን ክወቕዖም እየ።

24. እምነተይን ጸጋይን ድማ ምስኡ ኪዀና፣ ብስመይውን ቀርኑ ልዕል ኪብል እዩ።

25. ኢዱ ድማ ኣብ ባሕሪየማነይቱውን ኣብ ርባታት ከንብር እየ።

26. ንሱ፣ ኣቦይኣምላኸይከውሒ ምድሓነይ ንስኻ ኢኻ፣ ኢሉ ኺሰምየኒ እዩ።

27. ኣነውን በዅሪ፣ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ።

28. ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ እየ፣ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ።

29. ዘርኡ ድማ ንዘለአለምዝፋኑውን ከም መዓልትታት ሰማይ ከንብር እየ።

30. ደቁ ሕገይ እንተ ሐደጉ፣ ከም ቅንዕናይ እንተ ዘይተመላለሱ

31. ስርዓተይ እንተ ኣፍረሱትእዛዛተይውን እንተ ዘይሐለዉ

32. ሽዑ ንኣበሳኦም ብሸቦጥንበደሎምውን ብመውቃዕቲ ኸረኻኽበሎም እየ።

33. ጸጋይ ግና ኣየግድፎንእምነተይውን ኣይጠልሞን

34. ኪዳነይ ኣየፍርስንከናፍረይ እተዛረቦ ድማ ኣይልውጥን

35. ሓንቲ ነገር ብቕድስናይ ምሒለ እየ፣ ንዳዊት ኣይሕሱን

36. ዘርኡ ንዘለአለምዝፋኑውን ከም ጸሓይ ኣብ ቅድመይ ኪነብር እዩ።

37. ከም ወርሒ ንዘለአለም ይቐውም፣ ኣብ ደበና ዘሎ ምስክር ከኣ እሙን እዩ።

38. ንስኻ ግና ደርቢኻን ንዒቕካንንቕቡእካ ተቘጣዕካዮ

39. ኪዳን ባርያኻ ኣፍሪስካንዘውዱ ኣብ ምድሪ አርከስካዮ።

40. ብዘሎ መካበብያኡ ኣፍረስካዕርድታቱ ኣዕኖኻ

41. ኵሎም ሐለፍቲ መገዲ በዝቢዞምዎንጐረባብቱ መላገጺኦም ኰይኑ።

42. ንየማነይቲ እቶም መጻርርቱ ልዕል ኣቢልካያ፣ ንዅሎም ጸላእቱ አሐጕስካዮም

43. እወ፣ ንስሕለት ሰይፉ መለስካዮ፣ ኣብ ውግእውን ኣየጽናዕካዮን

44. ንነጸብራቑ አጥፊእካዮንዝፋኑውን ናብ ምድሪ ደርቢኻዮ

45. መዓልትታት ንእስነቱ ኣሕጺርካዮብነውሪ ኣጐልቢብካዮ አሎኻ።

46. ዎ እግዚኣብሄር፣ ፈጺምካ እትኽወልነድርኻስ ከም ሓዊ ዚነድድ ክሳዕ መኣዝ እዩ፧

47. ህይወተይ ክንደይ ሓጻር ምዃና፣ ኵሎም ደቂ ሰብ ንኸንቱነት ከም ዝፈጠርካዮም ዘክር

48. ሞት ከይረአየ ብህይወት ዚነብር፣ ንነፍሱስ ካብ ኢድ ሲኦል ዜናግፍ ሰብ መን እዩ፧ [ሴላ።]

49. ጐይታየ፣ እቲ ብእምነትካ ንዳዊት ዝመሐልካሉ፣ ናይ ቀደም ጸጋኻ ኣበይ አሎ፧

50. ጐይታየንጸርፊ ባሮትካ፣ ነቲ ኻብ ኵሎም ሓያላት ኣህዛብ ኣብ ልበይ ዝጾሮ ዘሎኹ ዘክር

51. ጐይታየጸላእትኻ ዚጸርፍዎ ጸርፊ፣ ነቲ ንኣሰር ቅቡእካ ዚጸርፍዎ ዘለዉ ዘክር።

52. እግዚኣብሄር ንዘለአለም ይባረኽኣሜን፣ ኣሜን።