1. እግዚኣብሄርመስኪንን ድኻን እየ እሞ፣ እዝንኻ ኣድንንምለሰለይውን

2. ሄር እየ እሞ፣ ንነፍሰይ ሐልዋ፣ ኣታ ኣምላኸየ፣ ነቲ ኣባኻ ዚውከል ባርያኻ ኣድሕኖ

3. ምሉእ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ አሎኹ እሞ፣ ጐይታየ ምሐረኒ

4. እግዚኣብሄርነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ እሞ፣ ንነፍሲ ባርያኻ ኣሐጕሳ

5. እግዚኣብሄርሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፣ ናባኻ ንዜእውዩ ዅላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ እሞ፣

6. ጐይታየጸሎተይ ስማዕንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ።

7. ንስኻ ኽትመልሰለይ ኢኻ እሞ፣ ብመዓልቲ ጸበባይ ክጽውዓካ እየ።

8. እግዚኣብሄር፣ ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ የልቦን፣ ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን።

9. እግዚኣብሄርዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ኵሎም መጺኦም ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱንስምካውን ኬኽብሩ እዮም።

10. ንስኻ ዓብይን ተኣምራት እትገብርን ኢኻ እሞ፣ ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ።

11. እግዚኣብሄርብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስመገድኻ ምሀረኒስምካ ኽፈርህሲንልበይ ኣዳልዎ።

12-13. እግዚኣብሄር ኣምላኸይሳህልኻ ንኣይ ዓብዪ እዩ፣ ንነፍሰይውን ካብ መዓሙቚ ሲኦል ኣውጺእካያ ኢኻ እሞ፣ ብምሉእ ልበይ ከመስግነካስምካውን ንዘለአለም ከኽብር እየ።

14. ኣምላኽትዕቢተኛታት ተንሲኦምኒኣኼባ ገፋዕቲ ኸኣ ንነፍሰይ ይደልይዋ አለዉ፣ ንኣኻውን ኣብ ቅድሚኦም ኣይገበሩኻን

15. ጐይታየ፣ ንስኻ ግና መሓርን ጸጋውን ዓቃልንብሳህልን ሓቅን ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻ።

16. ናባይ ግልጽ በል እሞ ምሐረኒንባርያኻ ሓይልኻ ሀቦንወዲ እታ ባርያኻ ኣድሕኖ

17. እግዚኣብሄርረዲእካንን ኣጸናኒዕካንን ኢኻ እሞ፣ ጸላእተይ ርእዮም ኪሐፍሩስምልክት ደሓን ግበረለይ