1. ዎ እግዚኣብሄር፣ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፣ እዝንኻ ኣድንን፣ ምለሰለይውን።
2. ሄር እየ እሞ፣ ንነፍሰይ ሐልዋ፣ ኣታ ኣምላኸየ፣ ነቲ ኣባኻ ዚውከል ባርያኻ ኣድሕኖ።
3. ምሉእ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ አሎኹ እሞ፣ ጐይታየ ምሐረኒ።
4. ዎ እግዚኣብሄር፣ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ እሞ፣ ንነፍሲ ባርያኻ ኣሐጕሳ።
5. ዎ እግዚኣብሄር፣ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፣ ናባኻ ንዜእውዩ ዅላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ እሞ፣
6. ጐይታየ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ።
7. ንስኻ ኽትመልሰለይ ኢኻ እሞ፣ ብመዓልቲ ጸበባይ ክጽውዓካ እየ።
8. ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ የልቦን፣ ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን።
9. ዎ እግዚኣብሄር፣ ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ኵሎም መጺኦም ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱ፣ ንስምካውን ኬኽብሩ እዮም።
10. ንስኻ ዓብይን ተኣምራት እትገብርን ኢኻ እሞ፣ ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ።
11. ዎ እግዚኣብሄር፣ ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፣ መገድኻ ምሀረኒ፣ ስምካ ኽፈርህሲ፣ ንልበይ ኣዳልዎ።
12-13. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ሳህልኻ ንኣይ ዓብዪ እዩ፣ ንነፍሰይውን ካብ መዓሙቚ ሲኦል ኣውጺእካያ ኢኻ እሞ፣ ብምሉእ ልበይ ከመስግነካ፣ ስምካውን ንዘለአለም ከኽብር እየ።
14. ዎ ኣምላኽ፣ ትዕቢተኛታት ተንሲኦምኒ፣ ኣኼባ ገፋዕቲ ኸኣ ንነፍሰይ ይደልይዋ አለዉ፣ ንኣኻውን ኣብ ቅድሚኦም ኣይገበሩኻን።
15. ጐይታየ፣ ንስኻ ግና መሓርን ጸጋውን ዓቃልን፣ ብሳህልን ሓቅን ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻ።
16. ናባይ ግልጽ በል እሞ ምሐረኒ፣ ንባርያኻ ሓይልኻ ሀቦ፣ ንወዲ እታ ባርያኻ ኣድሕኖ።
17. ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዲእካንን ኣጸናኒዕካንን ኢኻ እሞ፣ ጸላእተይ ርእዮም ኪሐፍሩስ፣ ምልክት ደሓን ግበረለይ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...