1. እግዚኣብሄርንምድርኻ ሞገስ ገበርካላ፣ ንቤት ያእቆብ ካብ ምርኮ መለስካዮም

2. ኣበሳ ህዝብኻ ሐደግካ፣ ንብዘሎ ሓጢኣቶም ከደንካ። [ሴላ።]

3. ንዅሉ መዓትካ ኣርሐቕካዮ፣ ካብ ንደት ቊጥዓኻ ተመለስካ

4. ኣምላኽ ምድሓንናምለሰናንዅራኻውን ካባና አትርፎ

5. ንዘለአለምዶ ኽትኵርየልናኵራኻስ ንውሉድ ወለዶዶ ኸተንውሕ ኢኻ፧

6. ህዝብኻ ብኣኻ ኺሕጐስሲመሊስካዶ ህይወት ኣይክትህበናን ኢኻ፧

7. እግዚኣብሄርጸጋኻ ኣርእየናምድሓንካውን ሀበና

8. ናብ ዕሽነት ደኣ ኣይመለሱ እምበር፣ ንህዝቡን ቅዱሳኑን ሰላም ኪዛረቦም እዩ እሞ፣ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዚብሎ ኽሰምዕ እየ።

9. ብሓቂ ኣብ ሃገርና ኽብሪ ኺሐድርሲምድሓኑ ነቶም ዚፈርህዎ ቐረባኦም እዩ።

10. ለውሃትን ሓቅን ተራኸባጽድቅን ሰላምን ተሳዓዐማ

11. ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቊልጸድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ።

12. እግዚኣብሄር ድማ ሰናይ ኪህበና እዩ፣ ሃገርናውን ፍርያታ ኽትህብ እያ።

13. ጽድቂ ቐቅድሚኡ ኽትከይድኣስኣሰሩ ኸኣ ክትስዕብ እያ።