1. ኣምላኽ ኣብ ማሕበር ኣማልኽቲ ደው ይብል፣ ኣብ ማእከል ኣማልኽቲ ይፈርድ አሎ።
2. ክሳዕ መአዝ ኢኹም ሓሶት እትፈርዱ፧ ንገጽ ረሲኣንስ እተድልዉ፧ [ሴላ።]
3. ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፡ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም።
4. ንድኻን መስኪንን ኣናግፍዎም፣ ካብ አእዳው ረሲኣን ኣድሕንዎም።
5. ኣይፈልጡን፣ ኣየስተውዕሉን፣ ኣብ ጸልማት ይመላለሱ፣ ብዘሎ መሰረታት ምድሪ ይናወጽ አሎ።
6-7. ኣነስ፣ ኣማልኽቲ ኢኹም፣ ኵላትኩም ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም፣ ግናኸ ከም ሰብ ክትሞቱ፣ ከም ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲውን ክትወድቁ ኢኹም፣ በልኩ።
8. ዎ ኣምላኽ፣ ንዅሎም ኣህዛብ ክትወርስሲ፣ ተንስእ ንምድሪ ፍረዳ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...