1. ንኣምላኽ፣ ነቲ ሓይልናእልል በሉሉ፣ ንኣምላኽ ያእቆብ እልል በሉ።

2. መዝሙር አልዕሉከበሮን ጥዑም በገና ምስ መሰንቆን ኣቓንዩ።

3-4. እዚ ናይ እስራኤል ሕጊ፣ ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ስርዓት እዩ እሞ፣ ብሰርቂ ወርሒብምልኣት ወርሒብመዓልቲ በዓልና መለኸት ንፍሑ

5. ካብ ምድሪ ግብጺ ኺወጽእ ከሎ፣ ኣብ ዮሴፍ ምስክር ገይሩ አቘሞዘይፈልጦ ቛንቋ እሰምዕ አሎኹ፣

6. ንመንኵቡ ኻብ ሰኽሚ ኣርሐቕክዎኣእዳዉ ኻብ መጾሪ ኣቕሓ ተናገፋ

7. ብጸበባ አእዌኻ፣ ኣነውን ኣናገፍኩኻ፣ ኣብ ነጕዲ ተሰዊረ መለስኩልካ፣ ኣብ ማይ መሪባ ተዐዘብኩኻ

8. ህዝበይክምስክረልካስ ስማዕ፣ ዎ እስራኤል፣ ኣየ እንተ ትሰምዓኒ

9. ካልእ ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣይኹን፣ ንኻልእ ኣምላኽውን ኣይትስገድ

10. ኣነ እግዚኣብሄር፣ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኻ ኣምላኽ እየ፣ አፍካ ሃህ አብል፣ ኣነውን ክመልኦ እየ።

11. ህዝበይ ግና ንድምጸይ ኣይሰምዖንእስራኤል ድማ እሺ ኣይበለንን።

12. ብምኽሪ ርእሶም ኪመላለሱስ፣ ኣብ ጽንዓት ልቦም ሐደግክዎም

13. አየህዝበይ እንተ ዚሰምዓኒእስራኤልሲ ብመገደይ እንተ ዚኸይድ

14. ንጸላእቶም ቀልጢፈ መዋረድክዎምኢደይውን ናብ ተጻረርቶም ምመለስኩ

15. ንእግዚኣብሄር ጸላእቱ ምተገዝእዎ ነይሮም፣ ዘመኖም ከኣ ንዘለአለም ምዀነ።

16. ስብሒ ስርናይ መብላዕኩኻ፣ ካብ ከውሕስ መዓር መጽገብኩኻ ነይረ።