1. ኣምላኽንንጉስ ፍርድኻንወዲ ንጉስውን ጽድቅኻ ሀቦም

2. ንሱ ኸኣ ንህዝብኻ ብጽድቂንጥቑዓትካውን ብቅንዕና ኺፈርዶም እዩ።

3. ኣኽራንን ኰረቢትንሲ ብጽድቂ ንህዝቢ ሰላም ኬምጽኡሉ እዮም።

4. ነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎምንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ፣ ንጠቓዕቲውን ኪድዕምኾም እዩ።

5. ጸሓይን ወርሕን ክሳዕ ዘለዋንውሉድ ወለዶ ኺፈርሁኻ እዮም።

6. ከም ዝናም ናብ እተዐጽደ ሸኻ፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ጥሚቕ ኰይኑ ይወርድ

7. ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ።

8. ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፣ ካብ ርባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኺመልኽ እዩ።

9. ኣብ በረኻ ዚነብሩ ኢድ ኪነስኡሉጸላእቱውን ሓመድ ኪልሕሱ እዮም።

10. ነገስታት ተርሴስን ደሴታትን ገጸ በረኸት ኬቕርቡሉ፣ ነገስታት ሸባን ሳባን ድማ ውህበታት ኬምጽኡሉ እዮም።

11. ኵሎም ነገስታት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኺፍገሙ፣ ብዘለዉ ኣህዛብ ኬገልግልዎ እዮም።

12. ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ።

13. ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎምንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ።

14. ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ እሞ፣

15. ብህይወት ኪነብር፣ ካብ ወርቂ ሸባ ድማ ኪህብዎኵሉ ጊዜውን ናብኡ ኺጽልዩምሉእ መዓልቲ ኺባርኽዎ እዮም።

16. ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር፣ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን፣ ፍሬኡ ኸም ኣእዋም ሊባኖስ ዘዘው ኪብል፣ ሰብ ከተማውን ከም ሳዕሪ ምድሪ ኺዕምብቡ እዮም።

17. ስሙ ንዘለአለም ኪነብር፣ ስሙ ጸሓይ ክሳዕ ዘላ ኺዝውተር እዩ፣ ብእኡውን ሰብ ኪባረኹ፣ ኵሎም ኣህዛብ ብጹእ ኪብልዎ እዮም።

18. እቲ በይኑ ተአምራት ዚገብር እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እቲ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ይባረኽ

19. ክቡር ስሙ ንዘለአለም ይባረኽ፣ ብዘሎ ምድሪውን ብኽብሩ ይምላእ። ኣሜን፡ ኣሜን።

20. ጸሎት ዳዊት ወዲ እሰይ ተፈጸመ