1. ኣምላኽኣውያተይ ስማዕ፣ ናብ ጸሎተይ ኣቕልብ

2-3. ንስኻ መዕቈብየይ፣ ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፣ ልበይ እንተ ተሐለለ፣ ካብ ወሰን ምድሪ ኣባኻ ኸእዊ እየ። ናብቲ ኻባይ ልዕል ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ

4-5. ኣምላኽ፣ ንስኻ መብጽዓይ ሰሚዕካስምካ ንዚፈርሁ ርስቲ ትህቦም አሎኻ እሞ፣ ኣብ ድንኳንካ ንሓዋሩ ኽነብር እየ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ኤዕቊብ አሎኹ። [ሴላ።]

6. ዕድመ ንጉስ ተንውሕዓመታቱ ኻብ ወለዶ ንወለዶ ይነብር።

7. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ይነብርምሕረትን እምነትን ኪሕልዋኦ ኣዳሎ

8. ንስምካ ንሓዋሩ ኽዝምረሉ፣ ከምዚ ገይረ ነንመዓልቲ መብጽዓይ ክፈዲ እየ።