1. ዎ ኣምላኽ፣ ኣውያተይ ስማዕ፣ ናብ ጸሎተይ ኣቕልብ።
2-3. ንስኻ መዕቈብየይ፣ ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፣ ልበይ እንተ ተሐለለ፣ ካብ ወሰን ምድሪ ኣባኻ ኸእዊ እየ። ናብቲ ኻባይ ልዕል ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ።
4-5. ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ መብጽዓይ ሰሚዕካ፣ ስምካ ንዚፈርሁ ርስቲ ትህቦም አሎኻ እሞ፣ ኣብ ድንኳንካ ንሓዋሩ ኽነብር እየ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ኤዕቊብ አሎኹ። [ሴላ።]
6. ዕድመ ንጉስ ተንውሕ፣ ዓመታቱ ኻብ ወለዶ ንወለዶ ይነብር።
7. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ይነብር፣ ምሕረትን እምነትን ኪሕልዋኦ ኣዳሎ።
8. ንስምካ ንሓዋሩ ኽዝምረሉ፣ ከምዚ ገይረ ነንመዓልቲ መብጽዓይ ክፈዲ እየ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...