1. ኵሉ መዓልቲ ሰልፈኛታት የጨንቑኒኪውሕጡኒ ይደልዩ አለዉ እሞ፣ ዎ ኣምላኽምሐረኒ

2. ብትዕቢት ዚዋግኡኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ኵላ መዓልቲ ተጸናተውተይ ኪውሕጡኒ ይደልዩ።

3. በቲ ዝፈርሃሉ ጊዜ ኣባኻ እውከል

4. ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህንስጋኸ እንታይ ከይገብረኒ

5. ኵሉ መዓልቲ ንቓላተይ ይካራኸርዎ፣ ብዘሎ ሓሳባቶም ንጕድኣተይ እዩ።

6. ተአኪቦም የድብዩለይ፣ ነፍሰይ ይደልዩ እዮም እሞ፣ ስጉምተይ ይስልዩ አለዉ።

7. ብበደሎምዶ ኺድሕኑ እዮም፧ ዎ ኣምላኽብዅራኻ ነህዛብ ኣውድቆም

8. ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ፣ ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ፣ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፧

9. በታ ዘእውየላ መዓልቲ ጸላእተይ ንድሕሪት ኪምለሱ እዮም። ኣምላኽ ምሳይ ከም ዘሎ፣ እዚ እፈልጥ አሎኹ።

10. ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖብእግዚኣብሄር ንቓሉ ኤመስግኖ አሎኹ።

11. ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህንሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ

12-13. ኣምላኽመብጽዓኻ ኣብ ልዕለይ አሎ፣ ኣብ ብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክመላለስሲንነፍሰይ ካብ ሞትነእጋረይውን ካብ ውድቀት ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ።