1. እግዚኣብሄርንቓላተይ ጽን በሎ፣ ንሓሳባተይ ኣስተውዕሎ

2. ናባኻ እጽሊ አሎኹ እሞ፣ ዎ ንጉሰይን ኣምላኸይንንድምጺ ጥርዓነይ ኣድህበሉ

3. እግዚኣብሄርኣንጊህካ ንድምጸይ ትሰምዖ ኢኻ፣ ኣንጊሄ ልበይ ናባኻ ኣቕኒዔ ኤማዕዱ አሎኹ።

4. ብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን እሞ፣ እኩይ ምሳኻ ኣይሐድርን

5. ትዕቢተኛታት ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኣይቈሙንንገበርቲ እከይ ዘበሉ ትጸልኦም

6. ሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦምእግዚኣብሄር ንደመኛን ንጠባርን ይፍንፍኖም እዩ።

7. ኣነ ግና ብብዝሒ ሳህልኻ ናብ ቤትካ ኽአቱብፍርሃትካ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ።

8. እግዚኣብሄር፣ ብምኽንያት ተጻናጸንተይ ብጽድቅኻ ምርሓኒንመገድኻ ኣብ ቅድመይ መድምዳ

9. ኣብ ኣፎም ቁም ነገር የልቦን እሞ፣ ውሽጦም ጥፍኣትጐረርኦም ክፉት መቓብር እዩ፣ ብመልሓሶም የቀባጥሩ

10. ኣምላኽ፣ ኰንኖም፣ ኣብ ምኽሮም ይውደቑ። ካባኻ ዐልዮም እዮም እሞ፣ ብብዝሒ ኣበሳኦም ኣባርሮም

11. ኣባኻ ዚዕቈቡ ዅሎም ግና ይተሐጐሱ፣ ንስኻ አጽሊልካዮም ኢኻ እሞ፣ ንዘለአለም እልል ይብሉ፣ ንስምካ ዜፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ይፈስሁ

12. ንጻድቕ ትባርኾ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ