1. ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልንብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ።

2-3. ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠትኣኽራን ኣብ መዓሙቚ ባሕሪ እንተ ተናወጹማያቱ እንተ ሀመመን እንተ ዐፈረንኣኽራን ብነድሮም እንተ አንቀጥቀጡ፣ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና። [ሴላ።]

4. ወሓይዙ ንኸተማ ኣምላኽ፣ ነታ ቕድስቲ ቦታ ማሕደር እቲ ልዑል ዜሐጕስ ርባ አሎ።

5. ኣምላኽ ኣብ ማእከላ አሎ፣ ኣይክትናወጽን እያ፣ ኪወግሕ ከሎ፣ ኣምላኽ ኪረድኣ እዩ።

6. ኣህዛብ ጫውጫው በሉ፣ መንግስትታት ተናወጹድምጹ ኣስምዔምድሪ መኸኸት

7. ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ። ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ። [ሴላ።]

8. ንዑንግብርታት እግዚኣብሄር፣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍኣት ጠምቱ

9. ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳኣታ ይገብረሉ፣ ንቐስቲ ይሰብሮንዅናት ይቐራስሞንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ

10. ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።

11. ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣ ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ። [ሴላ።]