1. ንእግዚኣብሄር ተዐጊሰ ተጸቤኽዎ፣ ንሱውን ናባይ ደኒኑ ኣውያተይ ሰምዔ

2. ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ከኣ፣ ካብቲ ረግረግ ጸብሪ ኣውጽአኒኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቚሙንስጉምተይ ኣጽንዖ

3. ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽና ኣብ ኣፈይ ኣንበረብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ፣ ናብ እግዚኣብሄርውን ኪውከሉ እዮም።

4. እቲ ንእግዚኣብሄር እምንቶኡ ዚገብሮ፣ ናብቶም ዕቡያትን ናብ ሓሶት ዜግልሱን ዘየብል ሰብ ብጹእ እዩ።

5. ጐይታይኣምላኸየተአምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ፣ ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ፣ ምቝጻሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።

6. ንመስዋእትን መባእን ባህጉ የብልካን፣ ኣእዛነይ ከፈትካለይመስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይትደልን ኢኻ።

7-8. ሽዑ፣ እኔኹ መጻእኩ፣ ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ አሎ። ኣምላኸየፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ

9. ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ፣ እንሆ፣ ከናፍረይ ኣይዐጾኹንጐይታየ፣ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ።

10. ንጽድቅኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይሐባእክዎንእሙን ምዃንካን ምድሓንካን ነገርኩሳህልኻን ሓቅኻን ነታ ዓባይ ማሕበር ኣይሓባእኩን

11. ጐይታየ፣ ንስኻ ምሕረትካ ኣይትኽልአኒሳህልኻን ሓቅኻን ኣዘውቲረን ይሐልዋኒ

12. ቊጽሪ ዜብሉ መከራ ኸቢቡኒምርአይ ክሳዕ ዝስእንበደለይ ኣርኪቡኒ፣ ካብ ጸጕሪ ርእሰይ በዚሑ እዩ እሞ፣ ልበይ ጠሊሙኒ እኔኹ።

13. እግዚኣብሄርንምንጋፈይ ስመርጐይታየንምርዳኤይ ቀልጥፍ

14. ንነፍሰይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ዅሎም ሐቢሮም ይሕፈሩን ይነውሩን። እቶም ብመከራይ ዚሕጐሱ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን

15. እቶም፣ ኣሰይ ኣሰይዚብሉኒ ብሰሪ ነውሮም ይሰምብዱ

16. ንኣኻ ዚደልዩ ዅሎም ይተሐጐሱ፣ ብኣኻውን ባህ ይበሎም። ምድሓንካ ዜፍቅሩ ዘበሉ፣ ከየብኰሩእግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፣ ይበሉ

17. ኣነስ ሽጉርን መስኪንን እየ፣ እግዚኣብሄር ግና ይሐልየለይ አሎ። ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ፣ ኣምላኸየኣይትደንጒ