1. ንእግዚኣብሄር ተዐጊሰ ተጸቤኽዎ፣ ንሱውን ናባይ ደኒኑ ኣውያተይ ሰምዔ።
2. ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ከኣ፣ ካብቲ ረግረግ ጸብሪ ኣውጽአኒ፣ ኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቚሙ፣ ንስጉምተይ ኣጽንዖ።
3. ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽና ኣብ ኣፈይ ኣንበረ። ብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ፣ ናብ እግዚኣብሄርውን ኪውከሉ እዮም።
4. እቲ ንእግዚኣብሄር እምንቶኡ ዚገብሮ፣ ናብቶም ዕቡያትን ናብ ሓሶት ዜግልሱን ዘየብል ሰብ ብጹእ እዩ።
5. ጐይታይ፣ ኣምላኸየ፣ ተአምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ፣ ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ፣ ምቝጻሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።
6. ንመስዋእትን መባእን ባህጉ የብልካን፣ ኣእዛነይ ከፈትካለይ፣ መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይትደልን ኢኻ።
7-8. ሽዑ፣ እኔኹ መጻእኩ፣ ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ አሎ። ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ።
9. ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ፣ እንሆ፣ ከናፍረይ ኣይዐጾኹን፣ ጐይታየ፣ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ።
10. ንጽድቅኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይሐባእክዎን፣ እሙን ምዃንካን ምድሓንካን ነገርኩ፣ ሳህልኻን ሓቅኻን ነታ ዓባይ ማሕበር ኣይሓባእኩን።
11. ጐይታየ፣ ንስኻ ምሕረትካ ኣይትኽልአኒ፣ ሳህልኻን ሓቅኻን ኣዘውቲረን ይሐልዋኒ።
12. ቊጽሪ ዜብሉ መከራ ኸቢቡኒ፣ ምርአይ ክሳዕ ዝስእን፣ በደለይ ኣርኪቡኒ፣ ካብ ጸጕሪ ርእሰይ በዚሑ እዩ እሞ፣ ልበይ ጠሊሙኒ እኔኹ።
13. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንምንጋፈይ ስመር፣ ጐይታየ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ።
14. ንነፍሰይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ዅሎም ሐቢሮም ይሕፈሩን ይነውሩን። እቶም ብመከራይ ዚሕጐሱ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን።
15. እቶም፣ ኣሰይ ኣሰይ፣ ዚብሉኒ ብሰሪ ነውሮም ይሰምብዱ።
16. ንኣኻ ዚደልዩ ዅሎም ይተሐጐሱ፣ ብኣኻውን ባህ ይበሎም። ምድሓንካ ዜፍቅሩ ዘበሉ፣ ከየብኰሩ፣ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፣ ይበሉ።
17. ኣነስ ሽጉርን መስኪንን እየ፣ እግዚኣብሄር ግና ይሐልየለይ አሎ። ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ፣ ኣምላኸየ፣ ኣይትደንጒ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...