1. [ ንሊቀ መዘምራንብንጊኖት፡ ናይ ዳዊት መዝሙር። ] ዎ ኣምላኽ ጽድቀይከእዊ ኸሎኹ፣ ምለሰለይብጸበባ ኣርሒብካለይ ኢኻ፣ ደንግጸለይ እሞ ጸሎተይ ስማዕ

2. ኣቱም ደቂ ሰብክብረይስ ኰን ክሳዕ መአዝ እዩ ዚሐስር፧ ክሳዕ መአዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፣ ሓሶትውን ትደልዩ፧ [ሴላ።]

3. እግዚኣብሄር ግና ነቲ ደጊ ኸም ዝሐረዮ፣ ፍለጡእግዚኣብሄር፣ ናብኡ እንተ ጠራዕኩይሰምዕ እዩ።

4. ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ፣ ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን። [ሴላ።]

5. መስዋእቲ ጽድቂ ሰውኡ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ድማ ተወከሉ

6. ብዙሓትንሰናይ መን እዩ ዜርእየናይብሉ አለዉ። ዎ እግዚኣብሄርብርሃን ገጽካ ኣብርሃልና

7. ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዚሕጐስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ኣንበርካ

8. እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ።