1. ንላዕሊ ስሒብካኒንጸላእተይውን ብኣይ ኣየሐጐስካዮምን እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄርልዕል ኤብለካ አሎኹ።

2. እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ

3. እግዚኣብሄርንነፍሰይ ካብ ሲኦል ኣውጻእካያ፣ ናብ ጒድጓድ ከይወርድሲ፣ ንህይወት ኣድሐንካኒ

4-5. ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድርንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑንእግዚኣብሄር ዘምሩሉንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ

6. ኣነንከ ብራህዋይከቶ ኣይከንደልህጽን እየ፣ በልኩ

7. እግዚኣብሄርብመጎስካ ንኸረነይ ኣጽኒዕካዮገጽካ ኸወልካዮ፣ ኣነውን ሰምበድኩ

8. ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ አእውየ፣ ንእግዚኣብሄር ለሚነዮ፣ ከምዚ ኢለ፣

9. ናብ ጕድጓድ እንተ ወረድኩስ፣ ካብ ደመይ እንታይ ክትረብሕ ኢኻ፧ መሬትዶ ኺውድሰካንሓቅኻስ ኪሰብኮ ድዩ፧

10. እግዚኣብሄርስማዕ እሞ ምሐረኒ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዳእየይ ኩን።

11-12. ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይከለይ ፈቲሕካስደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይንዘለአለም ክውድሰካ እየ።