1. ስለምንታይ እዮም ኣህዛብ ጫውጫው ዚብሉ፣ ህዝብታትሲ ከንቱ ዚሐስቡ

2-3. ነገስታት ምድሪ ይትንስኡመሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮምንመቓውሖም ንስበሮንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ

4. እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ይስሕቆምጐይታ የላግጸሎም

5. ሽዑ ብዅራኡ ይዛረቦምብነድሩ ኸኣ የፈራርሆም

6. ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሰይ ሸምኩ፣ ይብል።

7. እቲ ምዱብ ምኽሪ እነግር አሎኹ፣ እግዚኣብሄር በለኒ፣ ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ

8. ኣህዛብ ንርስትኻ፣ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስለምነኒ

9. ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም፣ ከም ኣቕሓ ሰራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ።

10. እምበአርሲ ኣቱም ነገስታትለብሙ፣ ኣቱም ፈራዶ ምድሪውንተአረሙ

11. ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግሎዎብረዓድ ከኣ ተሐጐሱ

12. ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፣ ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስንወዱ ስዐምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም።