1. ሃሌሉያንእግዚኣብሄር ካብ ሰማያት አመስግንዎ፣ ኣብ ኣርያም ኣመስግንዎ።

2. ኵሉኹም መላእኽቱ፣ አመስግንዎ፣ ብዘሎኹም ሰራዊቱአመስግንዎ

3. ኣትን ጸሓይን ወርሕንአመስግናኦ፣ ኣቱም ብሩሃት ከዋኽብቲአመስግንዎ

4. ኣቱም ናይ ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትንአመስግንዎ

5. ንሱ ኣዚዙተፈጢሮም እዮም እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ

6. ንዘለአለመ ኣለም ኣቘሞምዘይሐልፍ ሕጊ ኸኣ ሀቦም

7. ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ አመስግንዎ፣ ኣቱም ገበላት ባሕርን መዓሙቚን ኵልኹም፣

8. ኣቱም ሓውን በረድን ኣስሓይታን ግመን ቃሉ እተስልጥ ህቦብላን

9. ኣቱም ኣኽራንን ኰረቢትን ኵልኹም፣ ፈረይቲ ኣእዋምን ጽሕድታትን ኵልኹም፣

10. ኣራዊትን ኵላትኩም እንስሳን ለመም እትብሉን ነፈርቲ ኣዕዋፍን

11. ነገስታት ምድርን ኵላትኩም ኣህዛብንመሳፍንትን ኵላትኩም ፈረድቲ ምድርን፣

12. ኣጕባዝን ጐራዙትንዓበይቲ ምስ ናኣሽቱ

13. ስሙ በይኑ ልዑል እዩ፣ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ

14. ንህዝቡውን ቀርኒ ኣልዐለ፣ ስለዚ ዅሎም ቅዱሳኑደቂ እስራኤል፣ እቲ ዚቐርቦ ህዝቢየመስግኖ አሎ። ሃሌሉያ