1. ሃሌሉያ። ንእግዚኣብሄር ካብ ሰማያት አመስግንዎ፣ ኣብ ኣርያም ኣመስግንዎ።
2. ኵሉኹም መላእኽቱ፣ አመስግንዎ፣ ብዘሎኹም ሰራዊቱ፣ አመስግንዎ።
3. ኣትን ጸሓይን ወርሕን፣ አመስግናኦ፣ ኣቱም ብሩሃት ከዋኽብቲ፣ አመስግንዎ።
4. ኣቱም ናይ ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትን፣ አመስግንዎ።
5. ንሱ ኣዚዙ፣ ተፈጢሮም እዮም እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።
6. ንዘለአለመ ኣለም ኣቘሞም፣ ዘይሐልፍ ሕጊ ኸኣ ሀቦም።
7. ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ አመስግንዎ፣ ኣቱም ገበላት ባሕርን መዓሙቚን ኵልኹም፣
8. ኣቱም ሓውን በረድን ኣስሓይታን ግመን ቃሉ እተስልጥ ህቦብላን፡
9. ኣቱም ኣኽራንን ኰረቢትን ኵልኹም፣ ፈረይቲ ኣእዋምን ጽሕድታትን ኵልኹም፣
10. ኣራዊትን ኵላትኩም እንስሳን ለመም እትብሉን ነፈርቲ ኣዕዋፍን፣
11. ነገስታት ምድርን ኵላትኩም ኣህዛብን፣ መሳፍንትን ኵላትኩም ፈረድቲ ምድርን፣
12. ኣጕባዝን ጐራዙትን፣ ዓበይቲ ምስ ናኣሽቱ።
13. ስሙ በይኑ ልዑል እዩ፣ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።
14. ንህዝቡውን ቀርኒ ኣልዐለ፣ ስለዚ ዅሎም ቅዱሳኑ፣ ደቂ እስራኤል፣ እቲ ዚቐርቦ ህዝቢ፣ የመስግኖ አሎ። ሃሌሉያ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...