1. ሃሌሉያንኣምላኽና ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይ እዩ፣ ጥዑም እዩ እሞ፣ ምስጋና ይግባእ

2. እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ይሀንጽንስዱዳት እስራኤል ይእክብ አሎ።

3. ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስነቚሳሎም ይዘንን

4. ቊጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር፣ ንዅላቶም በብስሞም ይሰምዮም

5. ጐይታና ዓብዪ እዩ፣ ሓይሉ ብርቱዕ እዩ፣ ምስትውዓሉ ወሰን የብሉን

6. እግዚኣብሄር ንትሑታት ይድግፎምንረሲኣን ግና ኣብ ምድሪ የውድቖም

7. ንእግዚኣብሄር ብምምሳው ዘምሩሉንኣምላኽና ውዳሴ ብመሰንቆ ዘምሩሉ

8. ነቲ ንሰማያት ብደበና ዜጐልብብንምድሪ ዝናም ዜዳሉ፣ ናብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቊል

9. ነቲ ንእንስሳን ንዚምህለሉ ጨጫዊት ኳዃትን ዚምግብ ዘምሩሉ፣

10. ንሓይሊ ፈረስ ኣይብህጎን፣ በእጋር ሰብ ኣይሕጐስን

11. እግዚኣብሄር በቶም ዚፈርህዎንጸጋኡውን ዚጽበዩ ይሕጐስ

12-13. መሃርሃር መዓጹኺ ኣጽኒዑንደቅኺ ኣብ ማእከልኪ ባሪኽዎም እዩ እሞ፣ ዎ የሩሳሌምንእግዚኣብሄር አመስግኒ፣ ዎ ጽዮንንኣምላኽኪ ወድሲ

14. ኣብ ወሰናትኪ ሰላም ይገብርብስብሒ ስርናይ የጽግበኪ

15. ትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድቃሉ ቐልጢፉ ይጐዪ

16. ንበረድ ከም ጸምሪ ይህብንኣስሓይታ ኸም ሓመዅስቲ ይብትኖ

17. ንበረዱ ኸም ርፍራፍ ይድርብዮ፣ ኣብ ቅድሚ ቚሩኸ መን ይቐውም

18. ቃሉ ይሰድድ እሞ የምክኾንፋሱ የንፍስ እሞ ማያት ይውሕዙ

19. ቃሉ ንያእቆብስርዓታቱን ፍርድታቱን ንእስራኤል ነገረ

20. ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዚ ከቶ ኣይገበረሎምንፍርድታቱ ኸኣ ኣይፈለጡንሃሌሉያ