1. ኣምላኸይንጉሰይልዕል ከብለካ፣ ስምካውን ንዘለአለም ኣለም ክባርኽ እየ።

2. ኵሉ መዓልቲ ኽባርኸካስምካውን ንዘለአለመ ኣለም ክውድስ እየ።

3. እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፣ ምስጋና ይግብኦ፣ ዕብየቱ ዘይተመርማሪ እዩ።

4. ካብ ወልዶ ንወለዶ ግብርታትካ ይንእዱስልጡን ተግባርካውን የውርዩ

5. ንኽቡር ጌጽ ግርማኻን ንመስተንክር ግብርታትካን ከስተንትን እየ።

6. ብዛዕባ ሓይሊ እቲ ዜፍርህ ግብርታትካ ኺዛረቡ እዮም፣ ኣነውን ዕቤትካ ኸዘንቱ እየ።

7. መዘከርታ ዓብዪ ሳህልኻ ኼውርዩብጽድቅኻውን እልል ኪብሉ እዮም።

8. እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ፣ ዓቃልን ብሳህሊ ዓብይን እዩ።

9. እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ፣ ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ።

10. እግዚኣብሄር፣ ኵሉ ግብርታትካ ኼማስወካቅዱሳንካውን ኪባርኹኻ እዮም።

11-12. ግብርታት ሓይልኻን ክቡር ግርማ መንግስትኻን ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኼፍልጡክብሪ መንግስትኻ ኺዛረቡስልጣንካውን ኪነግሩ እዮም።

13. መንግስትኻ መንግስቲ ዘለአለም እያ፣ ግዝኣትካ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።

14. እግዚኣብሄር ነቶም ዚወድቁ ዅሎም ይድግፎም፣ ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዅሎም የልዕሎም

15. ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ፣ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም

16. ኢድካ ትኸፍት እሞ፣ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ

17. እግዚኣብሄር ብዅሉ መገዱ ጻድቕ እዩ፣ ብዅሉ ግብሩውን ሕያዋይ እዩ።

18. እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም፣ ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ።

19. ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽምኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ።

20. እግዚኣብሄር ንዜፍቅርዎ ዅሎም ይሕልዎም፣ ንዅሎም ረሲኣን ግና የጥፍኦም

21. ኣፈይ ምስጋና እግዚኣብሄር ይዛረብ፣ ኵሉ ስጋ ኸኣ ንቕዱስ ስሙ ንዘለአለም ኣለም ይባርኾ