1. ጐይታየ፣ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን

2. ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ

3-4. ጐይታየ፣ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፣ እንሆ፣ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፣ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፣ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።

5. ብድሕሪትን ብቕድሚትን ከበብካኒኢድካውን ኣንበርካለይ

6. እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒልዑል እዩ፣ ከርክቦ ኣይክእልን

7. ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፣ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ፧

8. ንሰማይ እንተ ደይብኩ፣ ንስኻ ኣብኡ አሎኻ፣ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፣ እንሆ፣ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ።

9. ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፣ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ

10. ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒየማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ።

11. ጸልማት ይኸውለኒ፣ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን፣ እንተ በልኩ

12. ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፣ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፣ ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም።

13. ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ

14. መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ

15. ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን

16. ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ

17. ኣምላኽሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፣ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ።

18. እንተ ቘጸርክዎ፣ ካብ ሑጻ ይበዝሕ፣ እንተ ነቓሕኩገና ምሳኻ እየ።

19. ኣምላኽ ንረሲእ ኰታ እንተትቐትሎ፣ ኣቱም ደመኛታት፣ ካባይ ርሓቑ

20. ስምካ ብተንኰል ይሰምዩጸላእትኻ ከንቱ ይዛረቡ

21. እግዚኣብሄር፣ ነቶም ጸላእትኻዶ ኣይጽልኣዮም፧ ነቶም ዚትንስኡኻስ ኣይፈንፍኖም

22. ፍጹም ጽልኢ እጸልኦምጸላእተይ እዮም።

23. ኣምላኽመርምረኒልበይ ከኣ ፍለጥፈትነኒሓሳበይውን ፍለጥ።

24. መገዲ ዓመጻ እንተ አልዩኒ፣ ርኤ፣ ኣብቲ ናይ ዘለአለም መገዲ ምርሓኒ