1. ኣብ ጥቓ ርባታት ባቢሎን ተቐመጥናንጽዮን ምስ ዘከርና በኼና

2. መሰንቆታትና ኣብቲ ኣብኣ ዘሎ ዕቦላት ሰቐልና

3. እቶም ዝማረኹና ናይ መዝሙር ቃላት ካባና ደለዩ፣ እቶም ሰቀይትናውን፣ ሓደ መዝሙር ጽዮን ዘምሩልና፣ እናበሉ ኽንሕጐስ ለመኑና።

4. ከመይ ጌርና እሞ መዝሙር እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ጓና ኽንዝምር

5. የሩሳሌመየ፣ እንተ ረሲዔክስየማነይቲ ኢደይ ትረስዓኒ

6. እንተ ዘይዘኪረኪንየሩሳሌም ከኣ ሓለፋ ዅሉ ሓጐሰይ እንተ ዘይገይረያስመልሓሰይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ

7. እግዚኣብሄር፣ ነቶም፣ ኣፍርሱ፣ ክሳዕ መሰረታ ኣፍርስዋዝበሉ ደቂ ኤዶም ብመዓልቲ የሩሳሌም ዘክሮም

8. ኣቲ ኽትዐንዊ ዘሎኪ ጓል ባቢሎን፣ ሕነ እቲ ዝገበርክና ዚፈድየኪ ምስጉን እዩ።

9. ንሕጻናትኪ ሒዙ ኣብ ከውሒ ዚጭፍልቖም ምስጉን እዩ።