1. እግዚኣብሄር፣ ካብ ዓሚቚ ናባኻ ኣእዌኹ

2. ጐይታየድምጸይ ስማዕኣእዛንካ ናብ ድምጺ ምህለላይ የቕልባ

3. እግዚኣብሄርኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስጐይታየ፣ መን ደው ኪብል እዩ፧

4. ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻይቕሬታ ምሳኻ አሎ።

5. ንእግዚኣብሄር እጽበነፍሰይ ትጽበ አላ፣ ብቓሉውን ተስፋ እገብር አሎኹ።

6. ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሐለውቲ፣ እወ፣ ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ አላ።

7. ሳህሊ ኣብ እግዚኣብሄርብዙሕ ምድሓን ከኣ ኣብኡ እዩ እሞ፣ ዎ እስራኤልንእግዚኣብሄር ተጸበዮ

8. ንሱውን ንእስራኤል ካብ ኵሉ ኣበሳኡ ኼድሕኖ እዩ።