1. እግዚኣብሄርደጊ ሰብ ተሳኢኑ፣ ካብ ማእከል ደቂ ሰብውን እሙናት ጠፊኦም እዮም እሞ፣ ኣድሕን

2. ነፍሲ ወከፎም ምስ ብጻዩ ሓሶት ይዛረብ፣ ብዜቃባጥር ከንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ አለዉ።

3-4. እግዚኣብሄር ንዅላተን መቃባጠርቲ ኸናፍርን ነታ ዕቡይ ነገር እትዛረብ መልሓስን፣ ነቶም፣ ሳላ መልሓስና ንብርትዕ አሎና፣ ከናፍርና ናትና እየን፣ መን እዩኸ ጐይታናዚብሉን ኪምንቊሶም እዩ።

5. ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፣ ነቲ ዚናፍቖውን ምድሓን ከምጽአሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር

6. ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት እዩ፣ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፣ ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዔ ብሩር እዩ።

7. እግዚኣብሄርክትሕልዎምካብዚ ወለዶ እዝስ ንዘለአለም ክትዕቅቦም ኢኻ።

8. ብልሽውነት ኣብ ማእከል ደቂ ሰብ ልዕል እንተ በለ፣ ረሲኣን ኣብ ኵሉ ወገን ይዞሩ