1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ደጊ ሰብ ተሳኢኑ፣ ካብ ማእከል ደቂ ሰብውን እሙናት ጠፊኦም እዮም እሞ፣ ኣድሕን።
2. ነፍሲ ወከፎም ምስ ብጻዩ ሓሶት ይዛረብ፣ ብዜቃባጥር ከንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ አለዉ።
3-4. እግዚኣብሄር ንዅላተን መቃባጠርቲ ኸናፍርን ነታ ዕቡይ ነገር እትዛረብ መልሓስን፣ ነቶም፣ ሳላ መልሓስና ንብርትዕ አሎና፣ ከናፍርና ናትና እየን፣ መን እዩኸ ጐይታና፧ ዚብሉን ኪምንቊሶም እዩ።
5. ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፣ ነቲ ዚናፍቖውን ምድሓን ከምጽአሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
6. ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት እዩ፣ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፣ ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዔ ብሩር እዩ።
7. ዎ እግዚኣብሄር፣ ክትሕልዎም፣ ካብዚ ወለዶ እዝስ ንዘለአለም ክትዕቅቦም ኢኻ።
8. ብልሽውነት ኣብ ማእከል ደቂ ሰብ ልዕል እንተ በለ፣ ረሲኣን ኣብ ኵሉ ወገን ይዞሩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...