1. ሃሌሉያ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር፣ ኣመስግኑ፣ ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ

2. ስም እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ይባረኽ

3. ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ስም እግዚኣብሄር ይመስገን

4. እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፣ ክብሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ።

5-6. ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ፣ ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቊሉ ዚጥምትእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመስል መን እዩ፧

7-8. ምስ መሳፍንቲ፣ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ኬቐምጦስንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦንድኻውን ካብ ድዅዒ የልዕሎ።

9. ንመኻንአደ ቘልዑ ገይሩ፣ ኣብ ቤት ብሓጐስ የንብራሃሌሉያ