1. ነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።
2. ነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣
3. ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፣
4. ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋ፣ ብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ፣
5. ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፣ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ።
6. እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ።
7. መገድታቱ ንሙሴ፣ ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ።
8. እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፣ ንዅራ ደንጓዪ፣ ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ።
9. ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕን፣ ንዘለአለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ።
10. ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፣ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ።
11. ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፣ ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን።
12. ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፣ ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሓቖ።
13. ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ።
14. ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።
15. ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።
16. ንፋስ ኣብ ልዕሊኣ ይሐልፍ እሞ፣ ከቶ ኣይትርከብን እያ፣ ቦታኣውን ኣይፈልጣን እዩ።
17. ምሕረት እግዚኣብሄር ግና አብቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለአለም ንዘለአለም ትነብር።
18. ጽድቁ ኸኣ ነቶም ኪዳኑ ዚሕልዉ፣ ንትእዛዛቱ ምእንቲ ኺገብርዎ ዚዝክርዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ።
19. እግዚኣብሄር ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቘመ፣ መንግስቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ አላ።
20. አቱም መላእኽቱ፣ ንድምጺ ቓሉ እትእዘዙ፣ ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
21. ኣቱም ሰራዊቱ ዅሉኹም፣ ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
22. ኵሉ ግብርታቱ ኣብ ኵሉ ስፍራ ግዝኣቱ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኹ። ነፍሰየ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...