1. ኵልኺ ምድሪንእግዚኣብሄር እልል በልሉ።

2. ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ፣ ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ

3. እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና።

4. አብ ደጌታቱ ብምስጋና፣ ኣብ አጸዱውን ብውዳሴ እተዉአመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ

5. እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ጸጋኡ ንዘለአለምእምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር