1. ኣምላኽ፣ ኣብ ጽዮን ብህድኣት የመስግኑኻመብጽዓውን ንኣኻ ኺፍጸም እዩ።

2. ኣታ ጸሎት እትሰምዕ፣ ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ።

3. ኣበሳ በርቲዑኒ፣ ንስኻ ንምግሃስና ይቕረ ኽትብል ኢኻ።

4. ኣብ ቦታኻ ኺሐድር ዝሐሬኻዮን ዘቕረብካዮን ሰብ ብጹእ እዩ። ብበረኸት ቤትካብቕዱስ መቕደስካ ኽንጸግብ ኢና።

5-7. ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ንዅሉ ወሰናት ምድርን ንርሑቕ ባሕርታትን መዕቈቢ ዝዀንካ፣ ስልጣን ተዐጢቕካብሓይልኻ ነኽራን ዘጽናዕካህማም ባሕርታት፣ ህማም ማዕበላቱወኻዕታ ኣህዛብ እተህድእብዜፍርህ ነገር ብጽድቂ ኽትመልሰልና ኢኻ።

8. ኣብ ወሰን ምድሪ ዚነብሩ ኸኣ ብትእምርትኻ ይፈርሁ፣ ንምብራቕን ምዕራብን እልል ተብለን

9. ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን፣ ኣዚኻ ተሀብትማርባ ኣምላኽ ማይ መሊኡ እዩ። ንምድሪ ኸምዚ ጌርካ ምስ ኣዳሎኻያእኽሊ ተዳልወሎም

10. ንነግሕታታ ተስትዮንድንኵላታ ትምድምዶብዝናም ተለምልማንብቚላ ትባርኾ

11. ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥብ

12. ኣብ ሰውሒ በረኻ የንጠብጥብኰረቢትውን ብታሕጓስ ይዕጠቓ

13. ኣሳውሕ ብመጓሴታት ይኽደንለሴታትውን እኽሊ ይጒልበብእልል ይብሉን ይዝምሩን አለዉ።