1. ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ

2. ኤረ ኸምኡ ምዃኑስ ኣርጊጸ እፈልጥ እየ፡ ከመይ ኢሉ ደኣኸ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምጸደቐ

3. ምስኡ ኺማጐት እንተ ዚደሊ፡ ካብ ሽሕስ ሓንቲ እኳ ኺመልሰሉ ኣይምኸኣለን ነይሩ።

4. ንሱ ብምስትውዓል ጠቢብብሓይሊውን ብርቱዕ እዩ፡ ተቓዊምዎስ ዝሰለጦ መን እዩ፧

5. ንሱ ነኽራን ከይፈለጢ ኸለው የግዕዞምንቚጥዓኡውን ይገማጥሎም

6. ንሱ ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውጻኣዕኑዳውን የንቀጥቅጡ

7. ንሱ ንጸሓይ ይእዝዛ እሞ ኣይትበርቕንንኸዋኽብቲውን ይሐትሞም

8. ንሱ በይኑ ንሰማያት ይዝርግሖ፡ ኣብ ልዕሊ ማዕበላት ባሕሪ ኸኣ ይኸይድ

9. ንድቢንኦርዮንንኰዀብ ሾብዓተ፡ ንናይ ደቡብ ማሕደር ዝፈጠሮም ንሱ እዩ።

10. ንሱ ዓበይትን ዘይምርመርን ነገር፡ ቊጽሪ ዜብሉ ተኣምራትውን ይገብር

11. እንሆ፡ ኣብ ጥቓይ ይሐልፍ እሞ፡ ኣነ ኣይርእዮን፡ መሊሱውን ይሐልፍ እሞ፡ ኣይፍለጠንን እዩ።

12. እንሆ፡ ንሱ እንተ መንጠለ፡ መን ይኽልክሎ፧ መንከ፡ እንታይ እዩ እትገብሮ ዘሎኻ፡ ኪብሎ ይኽእል፧

13. ኣምላኽ ንቚጥዓኡ ኣይገትኦን፡ ኣብ ትሕቲኡስ እቶም ረዳእቲ ረሃብ እኳ ይትሐቱ

14. ኣነ ደኣ ግዳ ኸመይ ገይረ ኽመልሰሉ፧ ንእኡ ዝዛረቦ ቓልከ ኸመይ ገይረ ኽመርጽ

15. ጻድቕ እንተ ዝኸውን እኳ፡ ንፈራድየይ ደኣ ምሕረት ምለመንክዎ እምበር፡ ኣይምመለስኩሉን

16-17. ንሱ ብህቦብላ ወቒዑኒብዘይ ምኽንያት ከኣ ንቚስለይ የብዝሖ አሎ እሞ፡ ጸዊዔዮስ እንተ ዚመልሰለይ እኳ፡ ንድምጸይ ጽን ከም ዝበሎኣይምኣመንኩን

18. ንሱ ኸስተንፍስ ኣይሐድገንንምረት ደኣ የጽግበኒ አሎ።

19. ብሓይሊ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ፡ እኔኹ፡ ይብል፡ ብፍርዲ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ መን እዩ ቘጸራ ዚህበኒ፧

20. ኣነ ጻድቕ እንተ ዝኸውን እኳ፡ ኣፈይ፡ በደለኛ ኢኻ፡ ኢሉ ምፈረደኒፍጹም እንተ ዝኸውን ከኣ፡ ሕሱም ምገበረኒ ነይሩ።

21. ኣነስ ፍጹም እየ፡ ንነፍሰይ እኳ ግዳ የብለይንንህይወተይውን እንዕቃ እየ።

22. ኲላዂሉ ሓደ እዩ፡ ስለዚ፡ ነቲ ፍጹምን ንረሲእን ብሓደ የጥፍኦምእብል አሎኹ።

23. ብድንገት ዚቐትል መዓት እንተ ወረደ፡ ንሱ ብፈተና እቶም ንጹሃት የላግጽ

24. ምድሪ ኣብ ኢድ እቶም ረሲኣን ተውሂባ እያ፡ ንገጽ መኳንንታ ይሽፍኖ። ንሱ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ መን እዩ፧

25. መዓልትታተይ ካብ ጐያዪ ይቕልጥፋጽቡቕ ነገር ከይረኣያ ይሀድማ ኣለዋ።

26. ኤረ ኸም ጃልባ ሻምብቆኪምንጥል ከም ዚሸብብ ንስሪ ይሐልፋ

27. ኣነ፡ ሓዘነይ ረሲዔገጸይ ኣበሪሄስ፡ ክሕጐስ ደኣ፡ እንተ በልኩ

28. ብስቓየይ እስክሕ፡ ከም ዘይተማጻርየኒ ፈሊጠ አሎኹ።

29. ኣነስ ከም በደለኛ ክዅነን እየ፡ ስለምንታይ ደኣ ንኸንቱ ዝጽዕር

30. ብማይ በረድ እንተ ዝሕጸብኣእዳወይውን ኣጸቢቐ እንተ ዘጽሪ

31. ንስኻ ኣብ ዓዘቕቲ ምኣለኽካኒ ክዳውንተይ እኳ ምፈንፈናኒ

32. ከይመልሰሉሐቢርናውን ከይንበያየንሲ፡ ከማይ ሰብ ኣይኰነን፡

33. ኣብ ክልቴና ኢዱ ዚዝርግሕ እሞ፡ ኣብ መንጎና ዳኛ ዚኸውን የልቦን።

34. በትሩ ግዳ ኻባይ የግልሰለይፍርሃቱውን ኣየናውጻኑ

35. ሽዑ ምተዛረብኩ ኣይምፈራህክዎን ከኣ፡ ኣነ ግና ከምኡ ኣይኰንኩን።