1. እዮብ መሊሱ ብምሰላኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡

2. አየ፡ ከም በተን ቀዳሞት ኣዋርሕ፡ ከም በተን ኣምላኽ ዝሐለወኒ መዓልትታት እንተ ዝኸውን እሞ መን ምሀበኒ።

3. መብራህቱ ኣብ ርእሰይ ኪደምቕ ከሎ፡ ብብርሃኑውን ንጸልማት ክሐልፎ ኸሎኹ

4. ከምቲ ብዘመን ጒብዝናይ ዝነበርክዎ፡ ምስጢር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ድናኳነይ ኪዐርፍ ከሎ፡

5. እቲ ዂሉ ዚኽእል ምሳይ ኪነብር ከሎ፡ ደቀይውን ኣብ ዙርያይ ኪቘሙ ኸለው

6. ስጒምተይ ኣብ ጠስሚ ኽሐጽብ ከሎኹ፡ ርባታት ዘይቲ ኻብቲ ኸውሒ ኺውሕዘለይ ከሎ፡ ከምተን መዓልትታት እቲኤን እሞ መን ምሀበኒ።

7. ኣብ ደገ ኸተማ ኽወጽእ፡ ኣብ ኣደባባይውን መንበረይ ክተክል ከሎኹ

8. መንእሰያት ርእዮምኒ ይሕብኡሽማግሌታትውን ተንሲኦም ይቘሙ ነበሩ፡

9. መኳንንቲ ኸኣ ምዝራብ ይሐድጉኣፎም ከኣ ብኢዶም ይኸድኑ ነበሩ።

10. ድምጺ መሳፍንቲ ተሐብኤመልሓሶምውን ኣብ ትንሓጎም ተጣበቐ

11-12. ነቲ ዚጠርዕ ጥቑዕነቲ ረዳኢ ዜብሉ ዘኽታምውን ኤናግፎ ነበርኩ እሞ፡ ዝሰምዓትኒ እዝኒ ትምርቐኒዝረአየትኒ ዓይኒ ኸኣ ትምስክረለይ ነበረት።

13. ምርቓ እቶም ውጹዓት በጺሑኒንልቢ መበለታትውን እልል ኣቢለዮ።

14. ንጽድቂ ለቢሰያ፡ ንሳውን ለቢሳትኒፍትሔይ ከም ባርኖስን ዘውድን ነበረት።

15. ዓይኒ ንዝዖረእግሪውን ንዝሐንከሰ እዀኖ ነበርኩ።

16. ንድኻታትውን ኣቦኦም ነበርኩ፡ ነቲ ኣነ ዘይፈለጥክዎ ኸኣ ነገሩ መርመርኩሉ

17. ንምንጋጋ ዓማጺ ሰበርኩነቲ ዝዘረፎ ድማ ካብ ኣስናኑ መንጠልክዎ

18. ኣነ ሽዑ፡ ኣብ ቤተይ ክመውትንመዓልትታተይውን ከም ሑጻ ኸብዝሔን እየ፡

19. ሱረይ ናብ ማይ ኪዝርጋሕኣውሊ ኣብ ጨናፍረይ ኪሐድር እዩ።

20. ክብረይ ኣባይ ክትሕደስቀስተይ ከኣ ኣብ ኢደይ ክትልምልም እያ፡ በልኩ።

21. ንኣይ ጽን ኢሎም ይጽበዩንምኽረይውን ስቕ ኢሎም ይሰምዕዎ ነበሩ።

22. ድሕሪ ዘረባይ መሊሶም ኣይተዛረቡንዘረባይ ኣብ ልዕሊኦም የንጠብጥብ ነበረ።

23. ከም ንዝናም ይጽበዩኒ፡ ከም ንዝናም ጽብሓት ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ነበሩ።

24. ክምስ ምስ በልክዎም፡ ኣይአመኑንንንፍሽሕውነት ገጸይ ኬጸውግዎ ኣይከኣሉን።

25. መገዶም መርመርኩ እሞ ከም ሓለቓ ተቐመጥኩ፡ ኣብ ማእከል ሰራዊቱ ኸም ዚቕመጥ ንጉስ፡ ከምቲ ንሕዙናት ዜጸናንዕ እቕመጥ ነበርኩ።