1. ድሕርዚ ቢልዳድ ሹዋዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ

2. ምልክን ረዓድን ናቱ እዩ፡ ኣብ ኣርያሙ ሰላም ይገብር

3. ንሰራዊቱ ኪቘጽሮም ዚኽእል መን እዩብርሃኑ ዘይበረቖኸ መን አሎ፧

4. ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቕ፧ ወይ ውሉድ ሰበይቲ ኸመይ ኢሉ ንጹህ ኪኸውን ይኽእል፧

5-6. ኣሽንኳይ ሰብ እዚ ሓሰኻወዲ ሰብ እዚ እብእብሲ፡ እንሆ፡ ወርሒ እኳ ደሚቓ ኣይትበርህንከዋኽብቲውን ኣብ ቅድሚኡስ ጽሩያት ኣይኰኑን።