1. ኤሊሁ ኸም ብሓድሽ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ

2. ኣቱም ጠቢባን፡ እስኪ ዘረባይ ስምዑ፡ ኣቱም ፍልጠት ዘሎኩም፡ ናባይ ኣቕልቡ

3. ትንሓግ ንብልዒ ኸም ዜስተማቕሮእዝኒ ንዘረባ ይዕዘቦ

4. ቅኑዕ ንምረጽንሰናይ ሐቢርና ነስተብህሎ

5-6. እዮብኣምላኽ ደኣ ፍትሒ ደፊኑለይ እምበር፡ ኣነስ ጻድቕ እየ፡ ቅኑዕ ክነሰይ፡ ከም ሓሳዊ ዀይነ፡ ገለ እኳ ዘይበደልኩስቊስለይ ዘይሓዊ እዩ፡ ኢሉ አሎ።

7-9. እዮብሲ፡ ሰብ ናብ ኣምላኽ እንተ ለገበ፡ ገለ እኳ ኣይጥቀምንኢሉ እዩ እሞ፡ መሓዛ ገበርቲ ኽፋእ ዚኸውን፡ ምስቶም ረሲኣን ዚሐብርንምልጋጽ ከም ማይ ዚሰትዮ፡ ከም እዮብ ዝበለ ሰብከ ኣበይ ይርከብ፧

10. ስለዚ ኣቱም ሰብ ኣእምሮ፡ እስኪ ስምዑኒረሲእነት ካብ ኣምላኽ ይርሐቕክፍኣትውን ካብቲ ዂሉ ዚኽእል ይርሐቕ።

11. ንሰብ ደኣ ከከምታ ግብሩ ይፈድዮንነፍሲ ወከፍ ከከም ኣካይዳኡ ገይሩ ዓስቢ ይህቦ

12. ብርግጽኣምላኽ ዓመጻ ኣይገብርንእቲ ዂሉ ዚኽእል ድማ ፍትሒ ኣይደፍንን

13. ንምድሪ ሓደራ ዝሀቦ መን እዩንዂላ ዓለም ዝሰረታኸ መን እዩ፧

14. ንሱ ንሰብ እንተ ዚሐስቦስንመንፈሱን ንስትንፋሱን ናብ ርእሱ ምመለሶ፡

15. ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ሓቢሩ ምጠፍኤሰብ ከኣ ናብ መሬት ምተመልሰ ነይሩ።

16. ምስትውዓል እንተ አሎካስ፡ ነዚ ስምዓዮ፡ ናብቲ ድምጺ ቓላተይ ኣቕልብ

17. እቲ ንቕንዕና ዚጸልእዶ ኺገዝእ እዩ፧ ነቲ ጻድቕን ስልጡንን ንስኻዶ በዳሊ ኽትገብሮ ኢኻ፧

18. ሰብዶ ንንጉስ፡ ኣታ ብልያል፡ ወይስ ንመኳንንቲ፡ ኣቱም ረሲኣንይብሎም እዩ፧

19. ኲላቶም ተግባር ኢዱ እዮም እሞ፡ ገጽ ሓለቓታት ርእዩ ኣየድሉንንሃብታም ካብ ድኻ ኣዕዚዙ ኣይርእዮን

20. ብቕጽበት ዓይኒ ይሞቱ፡ ኣብ ፍርቂ ለይቲ እኳ የንቀጥቅጡን ይሐልፉን፡ እቶም ሓያላት ድማ ብዘይ ኢድ ይንቀሉ

21. ኣዒንቱ ኣብ መገዲ ሰብ እየን እሞ፡ ንዂሉ ስጒምቶም ይርእዮ እዩ።

22. እቶም ገበርቲ ሓጢኣት ዚሕብኡሉ ጸልማት ወይስ ድነ ሞት የልቦን።

23. ኣምላኽ ንሰብ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኺፈርድ ኢሉ ኺመጽእ ከሎ፡ ተጠንቂቑ ኺጥምቶ ኣየድልዮን እዩ እሞ፡

24. ንሓያላት ብዘይ ምምርማር ይጭፍልቖም ኣብ ክንድኦም ከኣ ካልኦት የቕውም

25. ንተግባሮም ይፈልጦ እዩ እሞ፡ ብለይቲ ይግልብጦም ይቕጥቅጦም ከኣ።

26-28. ገዓር ድኻ ናብኡ ኺበጽሕንገዓር ሽጉራት ድማ ኬስምዕዎስንእኡ ኸይስዕቡ ስለ ዘግለሱ፡ ንዂለን መገድታቱ ስለ ዘይተጠንቀቑለንከም ንረሲኣን ገይሩ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይቐጽዖም

29-30. ረሲእ ምእንቲ ኸይነግስንህዝቢ ኸኣ ወጽመድ ከይከውንሲ፡ ንህዝቢ ወይስ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሀበ፡ መን እዩ ዚዂንኖገጹ እንተ ሰወረኸ፡ መን አሎ ዚርእዮ

31-32. ንኣምላኽዶኸመከራ ተቐቢለ፡ ድሕርዚ ኣይክብድልን እየ፧ ነቲ ዘይርእዮ ምሀረኒበዲለ እንተ ዀይነ ኸኣ ኣይክደግምን እየ፡ ዝበለዶ አሎ፧

33. ንስኻ ኣቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ ከም ሓሳብካ ገይሩዶ ፍዳ ኺህብ እዩ፧ ኣነ ዘይኰንኩስ፡ ንስኻ እስኪ ብዛዕባ እዚ ምረጽ፡ ኤረ ነቲ እትፈልጦ ተዛረብ

34-35. ለባማት ሰባትን ዚሰምዓኒ ጠቢብ ሰብንእዮብ ብዘይ ፍልጠት እዩ ዚዛረብቃላቱ ብዘይ ኣእምሮ እዩ፡ ኪብሉኒ እዮም።

36-37. እዮብ ኣብ ማእከልና ኣእዳው የጣቕዕብምብዛህ ዘረባ ንኣምላኽ ይከራኸሮ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣቱ ዓመጻ ይውስኽ አሎ እሞ፡ ከምቶም ረሲኣን ገይሩ ምላሽ ስለ ዝሀበስ፡ ክሳዕ ፍጻሜ ይፈተን