1. እንሆ፡ ነዚ ዂሉስ ዓይነይ ርእያቶ እዝነይውን ሰሚዓ ኣስተብሂላቶ

2. ነቲ ንስኻትኩም እትፈልጥዎስ ኣነውን እፈልጦ፡ ካባኻትኩም ከኣ ኣይትሕትን እየ።

3. ግናኸ ነቲ ዂሉ ዚኽእል ክዛረቦ እደሊ፡ ምስ ኣምላኽ ክማጻረ ሃረር እብል አሎኹ።

4. ንስኻትኩም ግና ሓሶት እትኣልሙ ሰባት ኢኹም፡ ኲላትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም።

5. ኤረ ስቕ ምባል እንተ ትኽእሉ፡ እዚ ኸኣ ኸም ጥበብ ምተቘጽረልኩም ነይሩ።

6. ንተግሳጸይ ስምዑ፡ ናብቲ ምስክር ከናፍረይ ጽን በሉ

7. ንኣምላኽስ ብቓል ዓመጻ ኽትካላኸሉሉ፡ ስሊኡ ኢልኩምከ ልግሚዶ ኽትዛረቡ ኢኹም፧

8. ሻራኡ ኽትኰኑንኣምላኽ ክትጣበቑሉዶ ትደልዩ አሎኹም፧

9. ንሱ እንተ መርመረኩምዶ ጽቡቕ እዩ፧ ወይስ ከምቲ ንሰብ እተዐሽውዎከተዐሽውዎዶ ኢኹም፧

10. ብስውር እንተ ኣድሎኹምሲ፡ ንሱ ብርግጽ ኪዘልፈኩም እዩ።

11. ግርማኡዶ ኣይኬሸብረኩምን እዩ፧ ፍርሃቱስ ኣይኪወድቀኩምን እዩ፧

12. ባህልኹም ምሳሌታት ሓመዂስቲዕርድታትኩውን ዕርድታት ጭቃ እዩ።

13. ስቕ በሉክዛረብ ግዳ ሕደጉኒ፡ ዝዀነ ይኹን ይውረደኒ

14. ንምንታይ ንስጋይ በስናነይ እሕዞንህይወተይውን ኣብ ኢደይ ኤንብራ

15. ሓንትስ ኣኻይዳይ ኣብ ቅድሚኡ ኤቕንዕ እምበር፡ ንሱ ይቕተለኒ፡ ኣነስ ካልእ ትጽቢት የብለይን

16. ግብዝ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣይኪብልን እዩ እሞ፡ እዚኣ ንምድሓን ክትጠቕመኒ እያ።

17. ስምዑ፡ እስኪ ንቓላተይ ስምዑ፡ እቲ ኣነ ዝብሎ ንእዝንኹም ይሰቈሮ።

18. እንሆ፡ ንነገረይ ኣዳልየዮ አሎኹ፡ ጻድቕ ኰይነ ኸም ዝርከብ፡ እፈልጥ አሎኹ።

19. መን እዩ ዚረትዓኒ፧ ሽዑ ስቕ እብል እመውትውን

20. ብኽልተ ነገር ግዳ ኣይትግፈዓኒ እምበር፡ ኣነ ኸኣ ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይክስወርን እየ፡

21. ኢድካ ኻባይ ኣርሕቐለይግርማኻውን ኣየሸብረኒ

22. ሽዑ ንስኻ ጸውዓኒኣነውን ክመልስ፡ ወይ ከኣ ኣነ ኽዛረብ፡ ንስኻ ምለሰለይ

23. ኣበሳይን ሓጢኣተይንሲ ኽንደይ እዩ ምብዛሑ፧ እስኪ በደለይን ሓጢኣተይን ኣፍልጠኒ

24. ንምንታይከ ገጽካ እትኽውሎ፧ ከም ጸላኢኻ እትርእየኒ

25. ንዝረገፈ ቘጽሊዶ ኸተፈራርሆ ኢኻ፧ ንንቑጽ ሓሰርሲ ኸተሳጒጎ ኢኻ፧

26. መሪር ነገር ትጽሕፈለይኣበሳ ንእስነተይ ከኣ ተውርሰኒ አሎኻ።

27. ንስኻ ነእጋረይ ኣብ ጒንዲ ተእትወን፡ ንብዘሎ መገደይውን ትሕሉንኸብዲ እግረይ ከኣ መፈለጥታ ትገብረሉ አሎኻ።

28. ኣነስ ከም ዝበዂበዀ ኦምብልዒ ኸም ዘበላሸዎ ዓለባ ዀይነ።