1. ነቲ ጤለ በዱ እትወልደሉ ጊዜ ትፈልጦዶ፧ ነቲ እራብ ቅልውላው እትተሐዘሉ ጊዜኸ ተመልኪትካዮዶ አሎኻ፧

2. ነቲ ምብጻሕ ኣዋርሔንዶ ትቘጽሮ፧ ነቲ ንሳተን ዚወልዳሉ ጊዜስ ትፈልጦዶ ኢኻ፧

3. ብርክኽ ኢለን ይወልዳ፡ ካብቲ ጻዕረን ከኣ ይዐርፋ

4. መሓስኤን ይጥንክራ፡ ኣብ መሮር ይዐብያይወጻ እሞ ናባታተን ኣይምለሳን

5-6. ነቲ ጸምጸም በረኻ ስፍራኡ፡ ምድሪ ጨው ከኣ ማሕደሩ ኪኸውን ዝሀብክዎ ኣድጊ በረኻ ሓራ ዘውጽኤ መን እዩ፧ ነቲ ኣብ በረኻ ዀለል ዚብል ኣድግስ መእሰሪኡ መን ፈትሓሉ

7. ነቲ ናይ ከተማ ጫውጫው የባዕጭወሉደሃይ ኰብኳቢውን ኣይሰምዕን

8. ነቲ ዚበልዓሉ ጎቦታት ይምልከቶ፡ ለምለም ዘለዎ ዂሉ ኸኣ ይደሊ

9. ጐባይከ ኺግዝኣካዶ ፍቓዱ እዩ፧ ኣብ ደምቤኻስ ይሐድረልካዶ

10. ምእንቲ ኺትልመልካዶ ንጐባይ ብገመድ ትኣስሮ ኢኻ፧ ደድሕሬኻኸ ንለሴታትዶ ይጒልጒል እዩ፧

11. ሓይሉ ብርቱዕ ስለ ዝዀነዶ ኽትእመኖ፡ ወይስ ንዕዮኻዶ ኽትገድፈሉ ኢኻ፧

12. እኽልኻ ኪኸተልካ፡ ኣብ ዓውዲውን ኪእክቦ ትኣምኖዶ ኢኻ፧

13. ኣኽናፍ ሰገን ብሓጐስ የንገብግብ፡ ግናኸ ኣኽናፋን ክንቲታን ርሕሩሕዶ እዩ፧

14. ንእንቋቚሖኣ ኣብ ምድሪ ተውድቖ፡ ኣብ ልዕሊ ሑጻውን ተሙቖ

15. እግሪ ኸይጭፍልቐለይኣራዊትውን ከይረግጸለይ፡ ኢላ ኣይትዝክርን እያ።

16-17. ኣምላኽ ጥበብ ከሊእዋምስትውዓልውን ኣይዐደላን እዩ እሞ፡ ንውሉዳ ኸም ዘይናታ ትጭክነሉጻዕራ ኸንቱ ብምዃኑ ኣይትጒህን

18. ብድድ ኢላ ምስ ሸበበትንፈረስን ፈረሰኛን ትስሕቆም

19. ንፈረስ ሓይሉ ዝሀብካዮ ንኽሳዱውን ዘውዘው ዚብል ጒንጒነ ዘልበስካዮ ንስኻ ዲኻ፧

20. ከም ኣንበጣዶ ተሰራስሮ ኢኻ፧ ዕቡይ ኲርፍታኡ ዜሰምብድ እዩ።

21. ኣብ ጐልጐል እናጸሕተረ ብሓይሉ ይሕጐስ፡ ምስ ኣጽዋር ኪገጥም ይወጽእ

22. ንፍርሃት የባጭዎ ኣይፈርህን ከኣ፡ ካብ ሰይፊውን ድሕር ኣይብልን እዩ።

23. ኣብ ልዕሊኡ ናይ ፍላጻ ጒልድባቊልጭልጭ ዚብል ኲናትን ስሕለትን ጭዋሕዋሕ ይብል።

24. እናፈጠነ ብዂራ ንምድሪ ይውሕጣመለኸት ኪንፋሕ ከሎ፡ ኣይግታእን

25. መለኸት ምስ ዚሰምዕ፡ ይሕምሕምንሰልፍን ንጭድርታ ሓላቑን ንወኻዕታ ሰራዊትን ካብ ርሑቕ ይሽትቶ

26. ሊላ ንላዕሊ ዚነፍርኣኽናፋውን ንደቡብ ኣቢሉ ዚዝርግሕከ ብጥበብካ ድዩ፧

27. ንስሪ ንላዕሊ ዚዐርግቤቱውን ኣብ ላዕሊ ዚሰርሕከ ብትእዛዝካ ድዩ፧

28. ኣብ ከውሒ፡ ኣብ ጫፍ ከውሒ ይነብር፡ ኣብ ልዕሊ እምባ ይሐድር

29. ኣብኡ ዀይኑ ዚዝረፍ የማዕዱኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ።

30. ጨጫውቱ ደም ይመጽዩ፡ ኣብቲ ቕቱላት ዘለውዎ ንሱ ኣብኡ ይርከብ