1. እዮብ መሊሱ ብምስላኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡

2. እቲ ንነፍሰይ ዜመርራ ዂሉ ዚኽእልንመሰለይውን ዘግደፈኒ ኣምላኸይ ህያው እዩ፡

3. እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽውን ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፡

4. ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባንልሳነይውን ሓሶት ኣይከተውስእን እያ።

5. ንኣኻትኩም ቅኑዓት ኢኹም ምባለይስ ካባይ ይርሐቕ፡ ክሳዕ ሞተይ ካብቲ ብዘይ ጒድለት ምዃነይ ኣየግልስን

6. ንጽድቀይ ኣጽኒዔ እሕዞከቶ ኣይሰዶንካብተን መዓልትታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ እኳ ኣይነቕፈንን

7. ጸላእየይ ከም ረሲእዝቃወመኒ ኸም እኩይ ይኹን።

8. እቲ ረሲእንነፍሱ ኣምላኽ እንተ ቘረጻን እንተ መንጠላንሲ፡ እንታይ ተስፋ አለዎ፧

9. መከራ እንተ ወረዶስኣምላኽ ዶዀን ምህልላኡ ይሰምዖ ይኸውን፧

10. ወይስ ነቲ ዂሉ ዚኽእል ሃረርዶ ይብሎ እዩ፧ ኲሉ ጊዜዶ ናብ ኣምላኽ ይምህለል እዩ፧

11. ኣነ ብዛዕባ ኢድ ኣምላኽ ክምህረኩም፡ ንሓሳባት እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣይክሐብኣልኩምን እየ።

12. እንሆ፡ ኲሉኹም ባዕልኻትኩም ርኢኹምዎ፡ ስለምንታይ ደኣ ኸንቱ ትዛረቡ አሎኹም፧

13. ኣምላኽ ነቲ ረሲእ ዚህቦ ዕድል፡ እቲ ጨካን ካብቲ ዂሉ ዚኽእል ዚቕበሎ ርስቲ እዚ እዩ፡

14. ደቁ እንተ በዝሑ፡ ኣደዳ ሰይፊ እዮምውሉዱውን እንጌራ ኣይጸግቡን

15. እቶም ተርፋ ብሞት ይቕበሩመበለታቱውን ኣየልቅሳን

16. ንብሩርስ ከም ሓመድ እንተ ኣከቦንኽዳውንቲውን ከም ጭቃ እንተ ደለቦ

17. ንሱ ይድልብ፡ ግናኸ እቲ ጻድቕ እዩ ዚኽደኖ፡ ነቲ ብሩርውን እቲ ንጹህ ይማቐሎ

18. ከም ቊንቊነ ቤቱ ይሰርሕ፡ ከምቲ ሓላዊ ዝሰርሓ ጐጆ እያ።

19. ብሃብታሙ ይድቅስ፡ ምስኡ ገለ እኳ ኣይማላእንኣዒንቱ ቛሕ የብል እሞ የሎን፡

20. ፍርሃት ከም ማያት ኰይኑ የርክቦህቦብላ ብለይቲ ይምንጥሎ

21. ንፋስ ምብራቕ ኣልዒሉ ይወስዶ፡ ካብቲ ቦታኡ ይነቕሎ

22. ኣምላኽ ብዘይ ምሕረት ይውርውረሉ፡ ካብ ኢዱ ቐልጢፉ ኺሀድም ይደሊ።

23. ሰባት ኣእዳዎም የጣቕዑሉ፡ ካብ ቦታኡ እናፋጸዩ የውጽእዎ።