1. ስለምንታይ እቲ ዂሉ ዚኽእል ነቲ ጊዜታት ዘይስውሮ፡ ስለምንታይ ደኣ እቶም ዚፈልጥዎ ንመዓልትታቱ ዘይርእይወን

2. ንዶብ የዝብልዎንኸብቲ ዘሚቶም የውፍርወን

3. ንዘኽታማት ኣድጎም የሕድግዎምንብዕራይ መበለትውን ታሕዚ ይሕዝዎ

4. ንድኻታት ካብ መገዲ ይደፍእዎም፡ እቶም ጥቑዓት ምድሪ ሐቢሮም ይሕብኡ

5. እንሆ፡ ከም ኣድጊ በረኻ ምግቢ እናደለዩ ናብ ውዕለቶም ይወጹበረኻውን ንደቆም ዚኸውን ምግቢ ይህቦም።

6. ኣብ ግራት ቋርፎም ይእክቡ፡ ኣብ ወይኒ እቲ ረሲእ ይቕርሙ

7. ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይሐድሩ፡ ኣብቲ ቚሪ ዚኽደንዎ የብሎምን

8. ብርቱዕ ማይ ኣኽራን የጠልቅዮምመጸግዒ ስኢኖም ድማ ከውሒ ይሐቚፉ

9. ንዘኽታም ካብ ጡብ እኖኡ ይምንጥልዎ፡ ካብ መሳኺን ታሕዚ ይወስዱ

10. ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይኸዱብጥሙያቶም እንዳእቲ ይጾሩ

11. ኣብ ውሽጢ መካበብያኦም ዘይቲ ይጸምቁ፡ ኣብ መጽመቚ ይጸምቁ እሞ ይጸምኡ

12. እህህታ እቶም ውጹዓት ካብቲ ኸተማ ይወጽእ፡ ነፍሳት እቶም ቊሱላት ይጭርሓ ኣለዋ፡ ኣምላኽ ግና ነዚ ዓመጻ ግዱ ኣይገብርን እዩ።

13. እቲኣቶም ካብቶም ንብርሃን ዚጸልኡ እዮም፡ ንጐደናታቱ ኣይፈልጥወንን፡ ኣብ መገድታቱ ኣይጸንዑን

14. እቲ ቐታል ነፍሲ ወጋሕታ ተንሲኡ፡ ነቲ ድኻን ጥቑዕን ይቐትሎብለይቲ ኸኣ ከም ሰራቒ እዩ።

15. ዓይኑ ዘማዊ ንጽልግልግታ ትጽበገለ ዓይኒ ኸይትርእየኒእናበለ ገጹ ይጒልበብ

16-17. ንዂላቶም ረፍዲ ኸም ድነ ሞት ይዀኖም፡ ምስ ፍርሃት ድነ ሞት ከኣ ስምምዕ አለዎም እሞ፡ ብጸልማት ናብ ቤት ኲዒቶም ይኣትው፡ መዓልቲ ግና ተዐጽዮም ይውዕሉንብርሃን ኣይፈልጥዎን እዮም።

18. ቀልጢፉ ብልዕሊ ማይ ይሰፍፍዕድሎም ኣብ ምድሪ ርጉም እዩ፡ ናብቲ መገዲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይምለስን

19. ደርቅን ሃሩርን ንማይ በረድ ይውሕጦ፡ ከምኡውን ሲኦል ነቶም ዝሐጥኡ ይውሕጦም፡

20. ማሕጸን ይርስዖሓሳኹ ብእኡ ይጸግቡዚዝክሮውን የልቦንእከይ ከም ኦም ይስበር

21. ነታ ዘይወለደት መኻን ይብድላንመበለት ጽቡቕ ኣይገብረላን

22. ንስልጡናት ብሓይሉ ይስሕቦምይትንስእ እሞ ኲሎም ሰብ ንህይወቶም ይቐብጽዋ

23. ንሱ ህድኣት ሂቡ የዕርፎምኣዒንቱውን ንመገዶም ይቛመታ።

24. ልዕል ይብሉ፡ ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ግና ኣይርከቡን፡ ይወድቁ፡ ከምቶም ካልኦት ኲላቶም ይእከቡ፡ ከም ርእሲ ሰዊት ከኣ ይቚረጹ

25. ከምኡ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን ሓሳዊ ኺገብረኒ እዩ፧ ነቲ ዘረባይከ መን ከንቱ ኺገብሮ ይኽእል፧