1. ድሕርዚ ሶፋር ናዕማዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2. ነዚ ምላሽ ክህብ ሓሳባተይ ይድርኸኒ፡ ምናዳ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ይህውኸኒ።
3. ዜነውረኒ መግናሕቲ ሰሚዔ፡ መንፈስ ኣእምሮይ ግና ምላሽ ይህበኒ።
4-5. ካብ ጥንቲ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚነብር፡ እልልታ ረሲኣን ሓጺር፡ ሓጐስ እቲ ሕሱም ቅጽበት ዓይኒ ምዃኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧
6. እቲ ልዕል ምባሉ እኳ ናብ ሰማይ እንተ ደየበ፡ ርእሱ ኸኣ ክሳዕ ደበና እንተ በጽሔ፡
7. ከምቲ ውጽኣት ግዳሙ ንሓዋሩ ይጠፍእ፡ እቶም ዝረአይዎ፡ ኣበይ አሎ፧ ኪብሉ እዮም።
8. ከም ሕልሚ ይበርር እሞ ኣይርከብን፡ ከም ራእይ ለይቲውን ይበንን።
9. እታ ዝረአየቶ ዓይኒ መሊሳ ኣይትርእዮን፡ ቦታኡውን ደጊምሲ ኣይጥምቶን።
10. ውሉዱ ሞገስ ድኻታት ይደልዩ፡ ኣእዳው ነቲ ዝረብሖኦ ይመልሳ።
11. ዓጽሙ ብንእስነቱ ምሉእ እዩ፡ ምስኡውን ኣብ መሬት ለጥ ይብል።
12. ክፍኣት ንኣፋ መቂርዎስ፡ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እንተ ሐብኦ፡
13. ካብኡ ኸይመልቆ እናኣርነበ፡ ኣብ ትንሓጉ ኣንተ ዐቘሮ፡
14. መብልዑ ኣብ ኣምዑቱ ይልወጥ፡ ኣብ ውሽጡ ሕንዚ ተመን ይዀኖ።
15. ንሃብቲ ውሒጥዎ እዩ እሞ ኺተፍኦ፡ ኣምላኽ ካብ ከብዱ ኼውጽኦ እዩ።
16. ንሕንዚ ተመን ኪመጽዮ፡ መልሓስ ተመን ከኣ ኪቐትሎ እዩ።
17. ንዓይኒ ማይን፡ መዓርን ጸባን ዚውሕዝ ርባታትን ኣይኪርእዮን እዩ።
18. ነቲ ፍረ ድኻሙ ኺመልሶ፡ ኣይኪውሕጦን ከኣ እዩ፡ እቲ ዚመልሶ ብመጠን ሃብቱ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ብእኡ ባህ ኣይብሎን።
19. ንድኻታት ጠቕዖምን ጠንጠኖምን፡ ንቤት በዝበዞ፡ ኣይኪሰርሖን ከኣ እዩ።
20. ከብዱ ዕረፍቲ ስለ ዝይፈለጠስ፡ ካብቲ ዚፈትዎ ገለ እኳ ኣይኬድሕንን እዩ።
21. ስሳዔኡ ገለ እኳ ኣይገደፈን፡ ስለዚ እቲ ጣዕሚ ንብረቱ ኣይኪቐውንም እዩ።
22. ኣብ ምልኣት ሃብቱ ይጸቦ፡ ኢዱ ጽጉም ዘበለ ትወድቆ።
23. ከብዱ ኺመልእ ከሎ፡ ኣምላኽ ጓህሪ ቚጥዓኡ ኺሰደሉ፡ ኪበልዕ ከሎ ኸኣ ኬዝንመሉ እዩ።
24. ካብ ኣጽዋር ሓጺን እንተ ሀደመስ፡ ቀስቲ ኣስራዚ ኺወግኦ እዩ።
25. ይስሕቦ እሞ ካብ ስጋኡ ይወጽእ፡ እቲ ብልጭልጭ ዚብል ብልሑውን ካብ ሓሞቱ ይወጽእ፡ ስምባድ ይወድቆ።
26. ንመዝገቡ ጸልማት ዘበለ ተዐቚሩሉ፡ ብዘይ መናፍሕ ዚነድድ ሓዊ ኺውሕጦ፡ ነቲ ኣብ ድናኳኑ ዝተረፈውን ኪበልዖ እዩ።
27. ሰማያት ንኣባሳኡ ኪቐልዖ፡ ምድሪ ኸኣ ክትልዐሎ እያ።
28. ጥሪት ቤቱ ፋሕ ኪብል፡ በታ መዓልቲ ቚጥዓኡ ኺፈስስ እዩ።
29. እቲ ረሲእ ከምዚ ዝበለ ዕድል ካብ ኣምላኽ ይቕበል፡ ብኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ርስቲ ተመዲብዎ እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...