1. ድሕርዚ ሶፋር ናዕማዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ

2. ነዚ ምላሽ ክህብ ሓሳባተይ ይድርኸኒ፡ ምናዳ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ይህውኸኒ

3. ዜነውረኒ መግናሕቲ ሰሚዔመንፈስ ኣእምሮይ ግና ምላሽ ይህበኒ

4-5. ካብ ጥንቲሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚነብርእልልታ ረሲኣን ሓጺርሓጐስ እቲ ሕሱም ቅጽበት ዓይኒ ምዃኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧

6. እቲ ልዕል ምባሉ እኳ ናብ ሰማይ እንተ ደየበርእሱ ኸኣ ክሳዕ ደበና እንተ በጽሔ

7. ከምቲ ውጽኣት ግዳሙ ንሓዋሩ ይጠፍእእቶም ዝረአይዎኣበይ አሎ፧ ኪብሉ እዮም

8. ከም ሕልሚ ይበርር እሞ ኣይርከብን፡ ከም ራእይ ለይቲውን ይበንን

9. እታ ዝረአየቶ ዓይኒ መሊሳ ኣይትርእዮንቦታኡውን ደጊምሲ ኣይጥምቶን

10. ውሉዱ ሞገስ ድኻታት ይደልዩ፡ ኣእዳው ነቲ ዝረብሖኦ ይመልሳ

11. ዓጽሙ ብንእስነቱ ምሉእ እዩ፡ ምስኡውን ኣብ መሬት ለጥ ይብል

12. ክፍኣት ንኣፋ መቂርዎስ፡ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እንተ ሐብኦ

13. ካብኡ ኸይመልቆ እናኣርነበኣብ ትንሓጉ ኣንተ ዐቘሮ

14. መብልዑ ኣብ ኣምዑቱ ይልወጥ፡ ኣብ ውሽጡ ሕንዚ ተመን ይዀኖ።

15. ንሃብቲ ውሒጥዎ እዩ እሞ ኺተፍኦኣምላኽ ካብ ከብዱ ኼውጽኦ እዩ።

16. ንሕንዚ ተመን ኪመጽዮመልሓስ ተመን ከኣ ኪቐትሎ እዩ።

17. ንዓይኒ ማይንመዓርን ጸባን ዚውሕዝ ርባታትን ኣይኪርእዮን እዩ።

18. ነቲ ፍረ ድኻሙ ኺመልሶኣይኪውሕጦን ከኣ እዩ፡ እቲ ዚመልሶ ብመጠን ሃብቱ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ብእኡ ባህ ኣይብሎን።

19. ንድኻታት ጠቕዖምን ጠንጠኖምንንቤት በዝበዞኣይኪሰርሖን ከኣ እዩ።

20. ከብዱ ዕረፍቲ ስለ ዝይፈለጠስካብቲ ዚፈትዎ ገለ እኳ ኣይኬድሕንን እዩ።

21. ስሳዔኡ ገለ እኳ ኣይገደፈን፡ ስለዚ እቲ ጣዕሚ ንብረቱ ኣይኪቐውንም እዩ።

22. ኣብ ምልኣት ሃብቱ ይጸቦኢዱ ጽጉም ዘበለ ትወድቆ

23. ከብዱ ኺመልእ ከሎ፡ ኣምላኽ ጓህሪ ቚጥዓኡ ኺሰደሉኪበልዕ ከሎ ኸኣ ኬዝንመሉ እዩ።

24. ካብ ኣጽዋር ሓጺን እንተ ሀደመስቀስቲ ኣስራዚ ኺወግኦ እዩ።

25. ይስሕቦ እሞ ካብ ስጋኡ ይወጽእ፡ እቲ ብልጭልጭ ዚብል ብልሑውን ካብ ሓሞቱ ይወጽእ፡ ስምባድ ይወድቆ።

26. ንመዝገቡ ጸልማት ዘበለ ተዐቚሩሉብዘይ መናፍሕ ዚነድድ ሓዊ ኺውሕጦ፡ ነቲ ኣብ ድናኳኑ ዝተረፈውን ኪበልዖ እዩ።

27. ሰማያት ንኣባሳኡ ኪቐልዖምድሪ ኸኣ ክትልዐሎ እያ።

28. ጥሪት ቤቱ ፋሕ ኪብል፡ በታ መዓልቲ ቚጥዓኡ ኺፈስስ እዩ።

29. እቲ ረሲእ ከምዚ ዝበለ ዕድል ካብ ኣምላኽ ይቕበል፡ ብኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ርስቲ ተመዲብዎ እዩ።