1. ሕጂ ግና እቶም ብዕድመ ዚንእሱኒነቦታቶም ምስቶም ኣኽላባት መጓሰይ እኳ ዘይመሕበርክዎምይንዕቁኒ ኣለው።

2. እዞም ናብ ዝበሰለ ዕድመ ኺበጽሑ ዘይኽእሉ ሰባት፡ ሓይሊ ኣእዳዎም እንታይ ኪጠቕመኒ እዩ፧

3. ብስእነትን ጥሜትን ዝማህመኑ እዮም፡ ነቲ ኻብ ቀደም ዝጸመወን በረኻ ዝዀነን ንቑጽ ምድሪ ይግህጽዎ

4. ካብ ጥቓ ቘጥቋጥ ቈጽሊ ኣምዒ ይቕንጥቡሱር ቈጥቋጥ ምግቦም ይገብሩ።

5. ካብ ሕብረት ሰብ ይስጐጉ፡ ከም ንሰራቒ ደድሕሪኦም የድህዩ።

6. ኣብ ዜፍርህ ጋግ፡ ኣብ ጒድጓድ ምድርን ኣብ ማእከል ከውሕን ይነብሩ

7. ኣብ ማእከል ዱር ኰይኖም ይጭድሩ፡ ኣብ ትሕቲ እሾዂ ይእከቡ

8. ውሉድ ደናቚርቲስም ዜብሉ ዓሌት፡ ተገሪፎም ካብ ሃገር እተሰጉ ኣዮም።

9. ሕጂ ኣነ መድረፊኦም ኰንኩ፡ መዛረቢኦምውን ገበሩኒ፡

10. ርሒቕ ካባይ ሀዲሞም ይፍንፍኑኒ፡ ናብ ገጸይ ጡፍ ኪብሉ ኣይሐፍሩን እዮም።

11. ገመደይ ፈቲሑ ኣዋረደኒ እሞ፡ ነቲ ልጓም ኣብ ቅድመይ ደርበይዎ

12. እዞም ሕማቓት ኣብ የማነይ ይትንስኡነእጋረይ ይደፍእወን፡ ናይ ጥፍኣት መገዶም ኣብ ልዕለይ ይድርብዩ ኣለው።

13. ንመገደይ የፍርስዋ ኣለው፡ ንርእሶም እኳ ረዲኤት ዜብሎምስንጥፍኣተይ ይተሓጋገዙ

14. ብገፊሕ ነቓዕ ከም ዚኣትው ዀይኖም ይመጹኒብፍሩስ መካበብያ ኣንካራርዮም ይኣትው።

15. ስምባደ ይወርደኒ፡ ከም ህቦብላ ዀይኖም ንኽብረይ የባርርዎጣዕሚ ንብረተይ ከም ደበና ሐሊፉ

16. ሕጂ ድማ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትመክኽ አላ፡ መዓልትታት መከራ ሒዘናኒ

17. ብለይቲ ኣዕጽምተይ ይንደል፡ ዚቐራጥመኒ ቓንዛ ኣይዐርፍን እዩ።

18. ብብርቱዕ ሓይሊ ሕማመይ ክዳነይ ተበላሽዩ፡ ከም ክሳድ ቀምሸይ ጠሚሩኒ

19. ናብ ጭቃ ደርብዩኒ፡ ከም መሬትን ሓመዂስትን ኰይነ

20. ናባኻ እምህለል አሎኹ፡ ኣይትመልሰለይንደው ኢለ እኔኹ፡ ተኲርካ ትጥምተኒ አሎኻ።

21. ናብ ጨካን ተለዊጥካኒ፡ በታ ብርትዕቲ ኢድካ ትቃወመኒ አሎኻ።

22. ሓፍ ኣቢልካ ብህቦብላ ትሕልፈኒ፡ ብሸምቦባውን ተምክኸኒ አሎኻ።

23. ኤረ ናብቲ ዂሎም ህያዋን ዚእከቡሉ ቤት፡ ናብ ሞት ከም እትወስደኒ እፈልጥ አሎኹ።

24. ግናኸ ዚወድቕ ሰብዶ ኢዱ ኣይዝርግሕን፧ ወይስ ጥፍኣት ዝመጾዶ ኣየእውን እዩ፧

25. ኣነስ ነቲ ጽጉም መዓልቲ ዝረኸቦዶ እበኽየሉ ኣይነበርኩን፧ ንድኻውን ነፍሰይ ትሐዝነሉዶ ኣይነበረትን፧

26. እንሆ፡ ራህዋ ንምርካብ ተስፋ ገበርኩ፡ ግናኸ ጸበባ መጸብርሃን ተጸቤኹ፡ ግናኸ ጸልማት መጸ።

27. ኣምዑተይ ይፈልሕ እሞ ኣይዐርፍን እዩ፡ መዓልትታት መከራ ተጓኒፈናኒ

28. ብዘይ ጸሓይ ጸሊመ እዘውር አሎኹ፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን እናተሳእኩ ኤእዊ

29. ንወኻሩ ሓወንንሰገናትውን መሓዝኤን ኰንኩ።

30. ቈርበተይ ጸሊሙ፡ ካብ ስጋይውን ተፋላልዩ፡ ኣዕጽምተይ ከኣ ብረስኒ ሐሪሩ

31. ስለዚ መሰንቆይ ናብ ሓዘንዕንዱረይ ከኣ ናብ ደሃይ ብኽያት ተለዊጡ።