1. ኤሉሁ ኸም ብሓድሽ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ

2. ንስኻስ፡ ሓለፋ ኣምላኽ ጻድቕ እየ፡ ምባልካ ቅኑዕዶ ይመስለካ

3. እንታይ ይጠቕመኒ፧ እንተ በደልኩኸ እንታይ ክረብሕ እየ፧ ትብል አሎኻ እሞ፡

4. ነዝስ ኣነ ክመልሰልካ፡ ኤረ ነቶም ብጾትካውን ምሳኻ፡

5. እስኪ ንሰማያት ኣቢልካ ርኤ እሞ፡ ነቲ ኻባኻ ልዕል ዝበለ ደበና ተመልከቶ።

6. እንተ በደልካስእንታይ ትገብሮኣበሳኻ እንተ በዝሔኸእንታይ ትጐድኦ ኢኻ፧

7. ጻድቕ እንተ ዀንካ፡ እንታይ ትህቦ፧ ካብ ኢድካስ እንታይ እዩ ዚቕበሎ

8. ረሲእነትካ ንዝኸማኻ ሰብሲ ይጐድኦጽድቅኻውን ንወዲ ሰብ ይጠቕሞ ይኸውን።

9. ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ይግዕሩብምኽንያት ቀላጽም እቶም ዓበይቲ የእውዩ

10-11. ግናኸ እቲ ኻብ እንስሳታት ምድሪ ኣብሊጹ ዘስተምሀረና፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብሊጹ ዘጥበበና፡ እቲ ብለይቲስ መዝሙር ምስጋና ዚህብ ዝፈጠረኒ ኣምላኽከ ኣበይ እዩ ዘሎ፧ ዚብል የልቦን

12. ብሰሪ ትዕቢት እኩያት ሽዑ ይጠርዑ፡ ግናኸ ንሱ ምላሽ ኣይሀቦምን።

13. ብሓቂ፡ ኣምላኽ ንኸንቱነት ኣይሰማዖን፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ከቶ ኣየቕልበሉን

14. ምናዳ ግና ከም ዘይትርእዮ እንተ በልካፍትሒ ኣብ ቅድሚኡ አሎ፡ ንስኻውን ተጸበዮ

15. ሕጂኸ ብቚጥዓኡ ስለ ዘይቀጽዔንድፍረት ከም ዘይፈልጦዶ ይመስለካ አሎ፧

16. እምበኣርከ እዮብ ብኸንቱ ኣፉ ይኸፍትብዘይ ፍልጠት ከኣ ዘረባ የብዝሕ አሎ።