1. ሽዑ እግዚኣብሄር ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ

2. ብዘይ ፍልጠት ብምዝራቡ ንምኽረይ ዜጸልምቶ መን እዩ፧

3. ከም ሰብኣይ ኴንካ ሕቜኻ ተዐጠቕ፡ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፡ ንስኻውን ምለሰለይ

4. ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስኣበይ ነበርካኣእምሮ እንተ ኣልዩካስንገረኒ

5. ነቲ ልክዓ ዝወሰነ መን እዩ፧ ዒራ ትፈልጦ ኢኻ፡ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሔኸ መን እዩ፧

6-7. ከዋኽብቲ ጽባሕ ሐቢሮም ኬመስግኑ፡ ኲሎም ደቅ ኣምላኽ እልል ኪብሉ ኸለው፡ መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ፧ ወይ እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን፧

8. ከም ካብ ከርሲ ወላዲቱ ጥሒሱ ምስ ወጸንባሕርስ ደጌታቱ ዝዐጸወኸ መን እዩ፧

9. ደበና ልብሱ ኪኸውን፡ ድቕድቕ ጸልማት ድማ መጠቕለሊኡ ኪኸውን ምስ ገበርኩ

10. ዶብ ምስ ኣቘምኩሉመሽጐርን መዓጹን ምስ ገበርኩሉ

11. ክሳዕ ናብዚ ኽትመጽእ፡ ካብኡ ንንየው ኣይኰነን፡ እቲ ብርቱዕ ትዕቢት ማዕበላትካ ኻብዚ ኣይኪሐልፍን እዩ፡ በልኩ

12-13. ንወሰናት ምድሪ ኺሕዞ እሞ፡ እቶም ረሲኣን ተደርብዮም ምእንቲ ኺወጹ፡ ካብ እትውለድ ጀሚርካስንንግሆ ኣዚዝካዮ፡ ወይስ ንወጋሕታ ሰፍራኡ ሐቢርካሉዶ ትፈልጥ ኢኻ፧

14. ንሳ ኸም ጭቃ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ትልወጥ፡ ኲሉ ነገርውን ከም ልብሲ ይቐውም

15. ሽዑ ንረሲኣን ብርሃኖም የግድፎም፡ እቲ ልዕል ዝበለ ቕልጽምውን ይስበር

16. ክሳዕ ምንጭታት ባሕሪዶ በጺሕካ፧ ኣብ ውሽጢ መዓሙቚከ ተመላሊስካዶ ትፈልጥ፧

17. ደጌታት ሞትከ ተቐሊዑልካዶ፧ ኤረ ንደጌታት ድነ ሞትዶ ርኢኻ

18. ንግፍሒ ምድሪኸ ኣስተብሂልካዮዶ፧ እዚ ዂሉ እትፈልጥ እንተ ዄንካስ፡ ተዛረብ

19-20. ናብ ወሰኑ ኸተብጽሖ፡ ናብ ቤቱ እትወስድ መገዲውን ክትፈልጥሲ፡ እታ ናብ ማሕደር ብርሃን እትወስድ መገዲ ኣበይ አላጸልማትከ ቦታኡ ኣበይ አሎ፧

21. ሽዑ ይኣ ተወሊድካ ኔርካ ኢኻ፡ ኤረ ቚጽሪ መዓልትታትካ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ።

22-23. ናብቲ ንጊዜ ጸበባ ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ኪኸውን ኢለ ዝዐቘርክዎ መዝገብ ውርጪዶ ኣቲኻ፧ ወይስ ነቲ መዝገብ በረድከ ርኢኻዮዶ

24. ኣብ ልዕሊ ምድሪ እታ ብርሃን ዚምቀለላንፋስ ምብራቕ ዚዝርግሓላ መገድስ ኣየነይቲ እያ፧

25-27. ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፡ ነቲ ሰብ ዜብሉ በረኻ ምእንቲ ኼዝንመሉስ፡ ነቲ ምድሪ ኣጻምእን በረኻን ኬርውዮለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኼብቊልንፋሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉንበርቂ ነጐዳውን መገዲ ዝህቦ መን እዩ፧

28. ንዝናምዶ ኣቦ ኣልይዎ፧ ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶኸ መን እዩ፧

29. በረድ ካብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለዶ መን እዩ፧

30. ማያት ከም እምኒ ዀይኑ ይስወርዝባን እቲ ዓሚቚውን ይረግእ

31. ንማእሰር እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኽትልቅሞንኦሪዮን ካብ ማእሰሩ ኽትፈትሖዶ ይከኣለካ እዩ፧

32. ንናይ ማዛሮት ምልክት በብጊዜኡ ኸተውጽኦ፡ ወይስ ንድቢ ምስቶም ደቃ ክትመርሓዶ ይከኣለካ እዩ፧

33. ንሕጋጋት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ፧ ንምልኩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትምድቦኸ ንስኻ ዲኻ፧

34. ብዝሒ ማይ ምእንቲ ኪኸድነካንድምጽኻ ኽሳዕ ደበና ኸተልዕሎዶ ይከኣለካ እዩ፧

35. እኔና ኢሎምኻ ኪኽዱስንበርቅታት ክትልእኮምዶ ይከኣለካ እዩ፧

36. ንጥበብ ናብ ውሽጢ ዘንበራ መን እዩ፧ ወይስ ንልቢ ምስትውዓል ዝሀቦ መን እዩ፧

37-38. ሓመድ ተበጽቢጹ ምስ ዚረግእደናኲል ብሓደ ምስ ዚጣበቑንደበናታት ብጥበብ ዚቘጽሮም መን እዩ፡ ነሕርብቲ ሰማይ ዜፍስሶምከ መን እዩ፧

39-40. ንዋዕሮዶ ሃድን ተምጽኣላ፡ ነቶም ኣብ በዓትታት ለጥ ኢሎም፡ ኣብ ዱርውን ኣድብዮም ዚጸንሑ ኰራዂር ኣንበሳኸንጥሜቶምዶ ተጽግቦ ኢኻ

41. ኳዂጨጫውቱ ዚብላዕ ስኢኖም እናተመላለሱ፡ ናብ ኣምላኽ እንተ ተማህለሉዚምግቦኸ መን እዩ፧