1. ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ

2. ክሳዕ መኣዝ ንነፍሰይ ተጒህይዋብዘረባውን ትሰባብሩኒ አሎኹም፧

3. እንሆ፡ ዓሰርተ ሳዕ ጸሪፍኩምኒእትገፍዑንስ ኣይትሐፍሩን ዲኹም፧

4. ብርግጽ ተጋግየ እኳ እንተ ዀንኩ፡ እቲ ጌጋይ ምሳይ ይነብር

5. ብሓቂ እንተ ተዐቤኹምለይ፡ ስለ ውርደተይ እንተ ገሰጽኩምኒ

6. እምበኣርስ ኣምላኽ ከም ዝዐመጸኒብመፈንጠራኡውን ከም ዝኸበበኒፍለጡ

7. እንሆ፡ ተዐሚጸ ኢለ እጠርዕ አሎኹ፡ ኣይስማዕን ድማ እየ፡ ረዲኤት ደልየ ኤእዊ አሎኹፍትሒ ዜውጽኣለይ ከኣ የልቦን።

8. ኣነ ኸይሐልፍ ኢሉ ንመገደይ ዐጽይዎ፡ ኣብተን መተሓላለፍየይ ጸልማት ዘርጊሑለን

9. ንሱ ኽብረተይ ቀንጢጡኒንዘውደይውን ካብ ርእሰይ ወሲድዎ

10. ብዂሉ ወገነይ ኣውዲቑኒ እዩ እሞ ጠፋእኩንተስፋይ ከም ኦም መንቈሳ

11. ንቚጥዓኡ ኣብ ልዕለይ ኣቃጸሎ፡ ከም ጸላኢኡውን ቈጸረኒ

12. ጭፍራታቱ ተኣኻኺቦም ኪወድቁኒ መገዲ ይጸርጉ፡ ኣብ ዙርያ ድንኳነይውን ይሰፍሩ ኣለው።

13. ነሕዋተይ ካባይ ኣርሒቕዎምእቶም ዚፈልጡኒ ኸም ኣጋይሽ ኰይኖምኒ።

14. ኣዝማደይ ካባይ ኣድሐርሒሮምኣመንተይውን ረሲዖምኒ

15. ቤተ ሰበይን ኣግራደይን ከም ባዕዲ ይቘጽሩኒጓና መሲለ ተርኤኽዎም

16. ንግልያይ እጽውዖኣቤት ኣይብለንን፡ ትሕት ኢለ ብኣፈይ እልምኖ አሎኹ።

17. ሰበይተይ ንስትንፋሰይውሉድ ከርሰይ ከኣ ንልመናይ ጸሊኦምዎ

18. ናእሽቱ ቘልዑ እኳ ይንዕቁኒብድድ እንተ በልኩይደፍሩኒ ኣለው።

19. ኲሎም መመኽርተይ ፈንፊኖምኒ፡ እቶም ፍቁራተይ ተገምጢሎምኒ

20. ኣዕጽምተይ ምስ ቈርበተይን ስጋይን ተጣቢቑግርጻነይ ጥራይ ተሪፉኒ

21. ኣቱም ፈተውተይኢድ ኣምላኽ ወቒዓትኒ እያ እሞ፡ ደንግጹለይ፡ ደንግጹለይ።

22. ንምንታይከ ኸም ኣምላኽ እትሰጉኒንስጋይውን ዘይትጸግብዎ

23. ኣየ፡ እዚ ዘረባይ እንተ ዚጸሐፍ፡ ኣየ፡ ኣብ መጽሓፍ እንተ ዚእርነብ

24. ብበሊሕ ሓጺንን ብዓረርን ኣብ ከውሒ ንሓዋሩ እንተ ዚቕረጽ

25. ግናኸ እቲ ዚብጀወኒ ህያው ምዃኑ እፈልጥ አሎኹ፡ ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኪቐውም እዩ።

26. እዚ ቘርበተይ ምስ ጠፍኤ ድማ፡ ሽዑ ምስ ስጋይ ንኣምላኽ ክርእዮ እየ።

27. ኣነ ባዕለይ ክርእዮ እየ፡ ኣዒንተይ ኪርእያኦካልእ ኣይኰነንኰላሊተይ ኣብ ውሽጠይ ሐቒቑ

28. ንስኻትኩም፡ ሱር እቲ ነገር ኣባይ ዘሎ መሲሉኩም፡ ንስጐጎ፡ እንተ በልኩም

29. ፍርዲ ኸም ዘሎ ምእንቲ ኽትፈልጡመቕጻዕቲ ሓጢኣትሲ ሰይፊ እዩ እሞ፡ ንሰይፊ ፍርህዎ