1. እንሆ፡ ተስፋኡ ኸንቱ እዩ፡ ዝረኣዮ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቕ

2. ንእኡ ኪቕስቅሶ ዚደፍር የልቦን። ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ደኣ መን እዩ፧

3. እቲ ቕድም ገለ ዝሀበኒ፡ ኣነውን ዝመልሰሉ፡ መን እዩ፧ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ናተይ እዩ።

4. ኣነ ብናይ ኣካላቱ፡ ብናይ ብርቱዕ ሓይሉ፡ ብናይ ምጽባቕ ኣገባብራኡ ስቕ ኣይክብልን እየ።

5. ንጌጽ ክዳኑ ዚቐልዖ መን እዩ፧ ናብ መንጎ ኽልቲኤን ምንጋጋኡ መን ይኣቱ

6. ንመዓጹ ገጹ ዚኸፍት መን እዩ፧ ኣብ ዙርያ ኣስናኑ ፍርሃት አሎ።

7. እቶም ብርቱዓት ዋልታታቱ ትዕቢቱ እዮም፡ ከም ብጸቢብ ማሕተም እተጋጠሙ እዮም፡

8. ንሓድሕዱ ተላጊቡ እዩ፡ ብመንጎኡ ንፋስ ኣይኣቱን

9. እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ግጡም እዩ፡ ንሓድሕዶም ይተሓሐዙ ኣይፋላለዩንውን እዮም።

10. እንጥሾኡ ብርሃን የንጸባርቕኣዒንቱ ኸም ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ እዩ።

11. ካብ ኣፋ ፋና ይወጽእ፡ ካብኡ ኸኣ ቊልዒ ሓዊ ይነጥር

12. ከም ካብ ዚገርር ድስትን ቊራዕን ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ይወጽእ

13. ብእስትንፋሱ ንሕመት የንድዶ፡ ካብ ኣፉ ኸኣ ሃልሃልታ ይወጽእ

14. ኣብ ክሳዱ ሓይሊ ይሐድር፡ ኣብ ቅድሚኡ ፍርሃት ይሰራሰር።

15. ክፍልታት ስጋኡ ግጡም እዩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጽኑዕ፡ ከቶ ዝይነቓነቕ እዩ።

16. ልቡ ኸም እምኒ ተሪር እዩ፡ ከም እምኒ መጥሓን ከኣ ጽኑዕ እዩ።

17. ንሱ እንተ ተንስኤጀጋኑ ይሽበሩ፡ ብሰሪ ፍርሃትሲ ልቦም ይጠፍኦም

18. ሰይፊ እንተ ወቕዖኲናት ወይ ጩረ፡ ወይ መውግእ ኣንበሪ ዓሳ ከቶ ኣይጠቅምን እዩ።

19. ንሱ ንሓጺን ከም ሓሰርነስራዚውን ከም በዂባዂ ዕጨይቲ ይቘጽሮ

20. ፍላጻ ኣየህድሞንእምኒ ወንጭፍን ከም ብርዒ ይዀኖ

21. ንጐመድ ከም ብርዒ እዩ ዚቘጽሮንምውርዋር ኲናት ከኣ ይስሕቆ

22. ኣብ ትሕቲ ኸብዱ በሊሕ ስሕለት አለዎ፡ ኣብ ጭቃ ኸኣ ኣሰር በላሕቲ ጫፍ ይሐድግ።

23. ንሱ ንመዓሙቚ ከም ድስቲ የፍልሖ፡ ንባሕሪ ድማ ከም ቊራዕ ቅዲት ይገብሮ

24. ደድሕሪኡ እቲ መገዲ ይበርህ፡ እቲ መዓሙቚውን ሽበት ይመስል

25. ንሱ ዘይፈርህ ኰይኑ ተፈጥረ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ማዕሬኡ ዚኸውን ከቶ ኣይርከብን።

26. ንልዕል ዝበለ ዂሉ ንዒቑ ይጥምቶ። ንብዘለዉ ደቂ ትዕቢት ከኣ ንጉሶም እዩ።