1. ሽዑ እዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ መለሰሉ

2. ኲሉ ኸም እትኽእልን፡ ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን፡ እፈልጥ አሎኹ።

3. ብዘይ ፍልጠት ነቲ ምኽሪ ዜጸልምቶ መን እዩ፧ ስለዚ ኣነ ነቲ ዘየስተውዐልክዎ፡ ንኣይ እምብዛ ዜገርም ዝዀነ፡ ዘይፈልጦ ነገር ተዛረበ።

4. ክዛረበካስ ስምዓኒ ዀታ፡ ኣነ ኽጥይቐካ፡ ንስኻውን ምሀረኒ

5. ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ

6. ስለዚ ንርእሰይ እፍንፍን አሎኹ፡ ኣብ ሓመድን ሓመዂስትን ኰይነ ኸኣ እንሳሕ አሎኹ።

7. እግዚኣብሄር ንእዮብ እዚ ምስ ተዛረቦንኤሌፋዝ ቴማናዊ በሎ፡ ብዛዕባይ ከምቲ እዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም፡ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፡ ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ኲራይ ተቓጺሉ እዩ።

8. ሕጂ ኸኣ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ሒዝኩም ናብ እዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ብናይ ርእስኹም መስዋእቲ ምሕራር ኣዕርጉእዮብ ባርያይ ኪጽልየልኩም እዩ፡ ንእኡ ክቕበሎ እየ። ከም እዮብ ባርያይ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅንዕና ስለ ዘይተዛረብኩም፡ ምእንታኡ ኢለ ኸምቲ ንዕሽነትኩም ዚግባእ ኣይክገብርን እየ።

9. ሽዑ ኤሊፋዝ ቴማናዊቢልዳድ ሹዋዊሶፋር ናዕማዊ ኸይዶም ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ ተቐበሎ

10. እዮብ ምእንቲ ፈተውቱ ምስ ጸለየእግዚኣብሄር ንምርኮ እዮብ መለሶእግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐደም ዝነበሮ ዕጽፊ ገይሩ ወሰኾ

11. ኲሎም ኣሕዋቱን ኲላተን ኣሓቱን ብዘለዉ እቶም ቀደም ዚፈልጥዎ ዝነበሩ ድማ ናብኡ መጺኦም፡ ኣብ ቤቱ ምስኡ እንጌራ በልዑ፡ ስለቲ እግዚኣብሄር ዘውረደሉ ዂሉ መከራታት ከኣ ሐዘኑሉን ኣጸናንዕዎንነፍሲ ወከፎም ድማ ሐሓንቲ ብሩርን ቀቀለቤት ወርቅን ሀብዎ

12. እግዚኣብሄር ድማ ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ባረኸሉ። ንሱ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሽሕ በጊዕሹድሽተ ሽሕ ገመልሽሕ ጽምዲ ብዕራይ፡ ሽሕ ከኣ ኣንስተይቲ ኣድጊ ነበሮ።

13. ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ከኣ ነበርዎ።

14. ነታ ቐዳመይቲ ይሚማ፡ ነታ ኻልኣይቲ ቅጺዓ፡ ነታ ሳልሰይቲ ቄርንሃጱኽ ኢሉ ሰመየን

15. ኣብ ኲላ እታ ሃገር እቲኣ ኸም ኣዋልድ እዮብ ዝበላ መልክዔኛታት ኣይነበራንኣቦኤን ድማ ርስቲ ምስቶም ኣሕዋተን ኣውረሰን

16. ድሕሪዚ ድማ እዮብ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ጸንሔደቁን ደቂ ደቁን ከኣ ክሳዕ ኣርባዕተ ወለዶ ረአየ

17. ድሕሪዚ እዮብ ሸምጊሉ ዕድመ ጸጊቡ ሞተ

Chap 41