1. ምላሽ ዚህበካ እንተ ረኺብካስ፡ እስኪ ጸውዕ፡ ካብ ቅዱሳንከ ናብ መኖም ክትብል ኢኻ፧

2. ንደንቈሮ ሰብ ኲራ ይቐትሎንዓሻ ኸኣ ቅንኣት የጥፍኦ

3. ኣነ ንደንቈሮስ ሱር ሰዲዱ ርኤኽዎብኣብኣ ኸኣ ንቤቱ ረገምክዋ

4. ደቁ ኻብ ረዲኤት ርሒቖም እዮም እሞ ኣብ ደገ ይርገጹዜናግፎም ከኣ የልቦን።

5. ነቲ እቶቱ ዝጠመየ ይበልዖ፡ ካብ እሾዂ እኳ የውጽኦንጥሪቱ መድፈና ሃህ ኢሉ ይጽበዮ

6. መከራ ኻብ ሓመድ ኣይወጽእን እዩ እሞ፡ መግደራ ኻብ መሬት ኣይበቊልን

7. ግናኸ፡ ከምቲ ቚልዒ ንላዕሊ ኣቢሉ ዝነጥርሰብ ንመከራ እዩ ዚውለድ

8. ኣነ ግን ኣምላኸ ምደሌኹነገረይ ከኣ ንኣምላኽ ምወፌኹ

9. ነቲ ዓበይትን ዘይምርመርን ነገራት፡ ኪቚጸር ዘይክእል ተኣምራትውን ዚገብር ዘሎ፡

10. ነቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዜዝንም ንግራሁውን ማያት ዚሰድድ

11. ንሕሱራት ልዕል ዜብሎምንሕዙናት ድማ ብምድሓን ዜልዕሎም

12. ኣእዳዎምሲ ብተንኰል ገለ ኸየስልጣንተንኰል ጐራሓት ከንቱ ዚገብሮ ንሱ እዩ።

13. ንጠቢባን ብጒርሖም ይሕዞምንምኽሪ ጠዋያት ከኣ ይዝርዝሮ

14. ብመዓልቲ ንኣታቶ ጸልማት ይጓነፎምብቐትርስ ከም ብለይቲ ሃሰስ ይብሉ።

15. ንሱ ነቲ መስኪን ካብ ሴፍ ኣፎምን ካብ ኢድ ሓያልን የናግፎ

16. ስለዚ ነቲ መስኪን ተስፋ አለዎ፡ ዓመጻ ኸኣ ኣፋ ትዐጹ

17. እንሆ፡ እቲ ኣምላኽ ዚግስጾ ሰብሲ ብጹእ እዩ፡ ስለዚ ንመቕጻዕቲ እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣይትንዐቆ

18. ንሱ የቚስልን ይዘንንን፡ ንሱ ይወቅዕ ኣእዳው የሕውያ

19. ካብ ሹድሽተ ጸበባ ኼናግፈካ፡ ኤረ ኣብ ሾብዓተ ደኣ ኽፋእ ኣይኪትንክየካን እዩ።

20. ብዘመን ጥሜት ካብ ሞትብውግእውን ካብ ሓይሊ ሴፍ ኪብጀወካ እዩ።

21. ካብ ጭጒራፍ ልሳን ክትክወልድባበ ኺወጽእ ከሎ፡ ኣይክትፈርህን ኢኻ።

22. ነቲ ድባበን ጥሜትን ክትስሕቆንኣራዊት ምድሪውን ኣይክትፈርሆምን ኢኻ።

23. ምስ ኣእማን መሮር ኪዳን ኣቲኻ ኢኻ እሞ፡ እንስሳ መሮርውን ብሰላም ምሳኻ ኪዀኑ እዮም።

24. ድንኳንካ ብሰላም ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኢኻ፡ ንኸብትኻ እንተ ተቛመትካዮዚስአን የልቦን

25. ዘርእኻ ብዙሕ ምዃኑ፡ ተወልዶኻ ኸም ሳዕሪ ምድሪ ምዃኑ ኽትፈልጥ ኢኻ።

26. ኲልስስቲ እኽሊ ብጊዜኡ ኸም ዚኣቱ፡ ብጽቡቕ ሽምግልና ኽትቅበር ኢኻ

27. እንሆ፡ ንሕና ዝመርመርናዮ ኸምኡ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሰሚዕካስ ተጠቐመሉ