1. ድሕርዚ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ

2. ክንዛረበካ እንተ ንፍትንሲምጒሄኻዶዘረባኡ ኺገትእ ዚኽእልከ መን አሎ

3. እንሆ፡ ንብዙሓት መዐድካዮምንዝደኸማ ኣእዳው ከኣ ኣበርታዕካየን

4. ዘረባኻ ነቶም ሰንከልከል ዚብሉ ኣቕንዖምንዝደኸማ ኣብራኽውን ኣጽናዕካየን

5. ሕጂ ናባኻ እንተ በጽሔ ግና፡ ምጽዋሩ ስኢንካ፡ ናባኻ እንተ ወረደተሸቢርካ እኔኻ

6. እቲ ንኣምላኽ ምፍራህካስ እሙንቶኻ፡ እቲ መገድኻ ፍጹም ምዃኑ ኸኣ ተስፋኻዶ ኣይኰነን፧

7. እስኪ ተመልከትንጹህ ከም ዝጠፍኤቅኑዕውን ከም እተደምሰሰዶ ርኢኻ ትፈልጥ

8. ኣነስ ከምዚ ደኣ ርኤኹ፡ እቶም ሓጢኣት ዚሐርሱመከራ ኸኣ ዚዘርኡ፡ ንእኡ ይዐጽድዎ

9. ንሳቶም ብእስትንፋስ ኣምላኽ ይጠፍኡ፡ ብመንፈስ ቊጥዓኡ ይበኑ።

10. ምጒዛም ኣንበሳድምጺ እቲ ጓዛሚኣስናን ሽደን ኣንበሳውን ይስበር

11. እቲ ኣረጊት ኣንበሳ ዚነጥቕ ስኢኑ እዩ እሞ ይመውትኰራኲር ኣንበሳ ኸኣ ፋሕ ይብሉ

12. ንኣይ ግና ቓል ብሕቡእ መጸኒእዝነይ ከኣ ንሕሽዂሽዂ ተቐበሎ

13. በቲ ናይ ለይቲ ራእይ ሓሳባት ንሰባት ብርቱዕ ድቃስ ምስ ወደቖም

14. ፍርሃትን ረዓድን ሐዘኒ እሞ፡ ንብዘሎ ኣዕጽምተይ ኣናወጾ

15. ሓደ መንፈስ ብቕድመይ ሐለፈጸጒሪ ስጋይ ተኸየፈ

16. ንሱ ቘመመልክዑ ግና ኣየለሌኽዎን፡ ረቂቕ መንፈስ ኣብ ቅድሚ ዓይነይስቕታ ነበረአ፡ ድምጺ ኸኣ ሰማዕኩ

17. መዋቲ ሰብዶ ኻብ ኣምላኽ ይጸድቕ እዩ፡ ሰብዶ ኻብ ፈጣሪኡ ይነጽህ እዩ፧

18. እንሆ፡ ነቶም ኣገልገልቱ እኳ ኣይኣምኖምን ንመላእኽቱውን ጒድለት ይረኽበሎም

19. እምበኣርሲ እቶም መሬት ዝቤቶምሓመድ ዝመሰረቶምከም ሓሰኻ ኺጭፍለቑ እዮም።

20. ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ይቚረጹንሓዋሩ ይጠፍኡዚሐስቦውን የልቦን

21. እቲ ገመድ ድንኳኖም ይብተኽብዘይ ጥበብ ይሞቱ