1. ንብሩርስ መብቈሉ፡ ነቲ ወርቂውን ዚፈሰሉ ቦታ አለዎ።

2. ሓጺን ካብ ምድሪኣስራዚ ኸኣ ካብ እምኒ እዩ መኺኹ ዚወጽእ

3. ሰብ ንጸልማት ወሰን ይገብረሉ፡ ናይ ጸልማትን ናይ ድነ ሞትን ኣእማን ከኣ ክሳዕ መወዳእታ ይምርምሮ

4. ካብቲ ሰብ ዚነብረሉ ርሒቑ፡ ንታሕቲ ኣዕሚቑ ይዂዕት፡ ካብ እግሪ ተረሲዖምካብ ሰብ ርሒቖም፡ ተንጠልጢሎም ይዝምብዩ

5. ካብ ምድሪ እዩ እንጌራ ዚወጽእ፡ መዓሙቓ ግና ከም ብሓዊ ይግምጠል

6. እቲ ኣእማና ናይ ሰፊሮስ ስፍራ እዩ። ድኹም ወርቂ ኸኣ ኣብኡ ይርከብ።

7. ነታ መገዲ እቲኣ ነፋሪ ዘበለ ኣይፈልጣንዓይኒ ንስሪውን ኣይረአየታን

8. እቶም ዕቡያት ኣራዊት ኣይረገጽዋንኣንበሳውን ኣይሐለፋን

9. ሰብ ንኢዱ ናብ እምኒ ብላድ ይዝርግሓነኽራን ካብ ሱሩ ይግምጥሎ

10. ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ነዃላት ይነድልዓይኑውን ኣብኡ ኽቡር ዘበለ ትርኢ

11. ንመገዲ ማያት ከይነጥብ ይዐብሶንስውር ነገር ናብ ብርሃን የውጽኦ

12. ግናኸ ጥበብስ ኣበይ እያ እትርከብምስትውዓልከ ኣበይ እዩ ቦታኣ

13. ዋጋኣ ዚፈልጥ ሰብ የልቦን፡ ኤረ ኣብ ምድሪ ህያዋን እኳ ኣይትርከብን

14. መዓሙቚ፡ ንሳ ኣባይ የላን፡ ይብልባሕሪውን፡ ምሳይስ የላን፡ ይብል።

15. ብጽሩይ ወርቂ እኳ ኣይትዕደግንብሩር ንዋጋኣ ኣይምዘንን እዩ።

16. ብወርቂ ኦፊርን ብኽቡር ዕንቊን ሰፊሮስን ኣይትምዘንን

17. ወርቅን መረጸንን ኣይመስልዋንነቓሑ ወርቂውን ኣይትልወጥን

18. ብዛዕባ ኣዕናቚን ክርስታልን እኳ ኣይዘረብምጥራይ ጥበብስ ካብ ሉል ዚበልጽ እዩ።

19. ናይ ኢትዮጵያ ቶጳዝዮን እኳ ኣይመሳሰላንብጽሩይ ወርቂውን ኣይትምዘንን እያ።

20. ኤረ ጥበብስ ካበይ እያ እትመጽእቦታ ምስትውዓልከ ኣበይ እዩ ዘሎ፧

21. ካብ ዓይኒ ዂሎም ህያዋን ሕብእቲ እያ፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ክውልቲ እያ።

22. መዓሙቚን ሞትንበእዛንና ወሬኣ ሰሚዕናይብሉ

23-24. ንወሰናት ምድሪ ዚቋመቶ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ዚርእዮ ንሱ እዩ እሞ፡ ንመገዳ ዜስተውዕሎስ ኣምላኽ እዩ፡ ንቦታኣ ዚፈልጥ ንሱ እዩ።

25. ንሱ ንንፋስ ሚዛን ምስ ገበረሉንማይ ከኣ ብስፍሪ ምስ መዘኖ

26. ንዝናምሲ ሕጊንበርቂ ነጐዳ መገዲ ምስ መደበሉ

27. ሽዑ ረኣያ እሞ ገለጻኣቚሙውን መርመራ

28. ንሰብ ድማ፡ እንሆ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄርሲ ጥበብ እዩ፡ ካብ ክፋእ ምርሓቕ ከኣ ምስትውዓል እዩ፡ በለ