1. ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ

2. እስኪ ሓንሳእ ዘረባይ ስምዑኒምጽንናዕኩም እዚ ይኹን።

3. ክዛረብ እስኪ ተዐገሱኒ፡ ምስ ተዛረብኩኣባጭው

4. ቊዝማይዶ ንሰብ እየ ዝነግሮ፧ ወይስ ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ ዓቕለይ ዘይጸበኒ

5. ናባይ ኣቕልቡ እሞ ክትድነቑኣፍኩምውን በእዳውኩም ዕበሱ

6. ኣነስ እንተ ዘከርክዎየስካሕክሓኒንስጋይውን ረዓድ ይሕዞ አሎ።

7. ረሲኣን ብህይወት ዚነብሩ፡ ዚኣርጉስልጣኖም ድማ ዚብርትዕስ፡ ስለምንታይ ኰን እዩ፧

8. ዘርኦም ምስኦም ኣብ ቅድሚኦም ይነብርሓድጎም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም እዩ።

9. ኣባይቶም ፍርሃት ዜብሉ ህዱእ እዩ፡ ሸቦጥ ኣምላኽ ኣይቐርቦምን።

10. ኣርሓኦም ሰሪሩ ብዘይ ፍረ ኣይተርፍንላሞምውን ከየቘልዔት ትወልድ

11. ንደቆም ከም መጓሰ የውፍርዎምቈልዑኦም ይሰራሰሩ

12. ብኸበሮን ብበገናን ይደርፉብቓና ዕንዱር ይሕጐሱ

13. ንዘመኖም ብጣዕሚ ንብረት የሕልፍዎብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ ናብ ሲኦል ይወርዱ

14-15. ግናኸ ንኣምላኽመገድኻ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና እሞ፡ ካባና ኣግልስ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እነገልግሎኸ መን እዩ፧ ናብኡ እንተ ተማህለልናስ፡ እንታይ ኪጠቕመና እዩ፧ ይብሉ

16. እንሆ፡ ጣዕሚ ንብረቶም ኣብ ኢዶም ኣይኰነን፡ ምኽሪ ረሲኣንሲ ኻባይ ደኣ ይርሓቕ

17. ክንደይ ሳዕ መብራህቲ ረሲኣን ዘይጠፍእመዓት ዘይወርዶም፡ ኣምላኽ ብቚጥዓኡ መከራ ዘይዕድሎም

18. ክንደይ ሳዕከ እዮም ንፋስ ከም ዚወስዶ ሓሰርህቦብላ ኸም ዚብትኖ ብቚቡቚ ዘይኰኑ፧

19. ኣምላኽሲ በደል እቲ ረሲእ ንደቁ ይዐቚሮ፡ ምእንቲ ኺፈልጦስ፡ ንእኡ ይፍደዮ

20. ንጥፍኣቱ ብዓይኑ ይርእዮ፡ ካብ ቊጥዓ እቲ ዂሉ ዚኽእል ይስተ

21. ቊጽሪ ኣዋርሑ ምስ ተበትከድሕሪኡ ብዛዕባ ቤቱ እንታይ ባህ ይብሎ፧

22. ነቶም ልዑላት ዚፈርድ ኣምላኽሲ ፍልጠት ዚምህሮ መን እዩ፧

23. እቲ ሓደምሉእ ሓይሉ ኸለዎ፡ ህዱእን ሕጉስን ከሎ ይመውት፡

24. ተፈይቶታቱ ጸባ መሊኡ ኸሎ፡ ኣንጒዕ ኣዕጽምቱውን ልምሉም ከሎ ይመውት።

25. እቲ ሓደ ኸኣ ገለ ራህዋ እኳ ኸይጠዐመነፍሱ እናተመረረት እዩ ዚመውት

26. ብሓደ ዀይኖም ኣብ መሬት ይድቅሱሓሰኻውን ይኸድኖም

27. እንሆ፡ ንሓሳባትኩም፡ ነቲ ኣባይ ዝመኸርኩምዎ ኽፋእ ምኽሪ ፈሊጠዮ አሎኹ።

28. ንስኻትኩምሲ፡ ቤት መስፍን ኣበይ አሎ፧ እቲ ረሲኣን ዝነብርዎ ድንኳንከ ኣበይ አሎ፧ ትብሉ አሎኹም።

29-30. እቲ ኽፋእ ንመዓልቲ መዓት ከም ዚዕቈር፡ ናብ መዓልቲ ቚጥዓውን ከም ዚምራሕ፡ ነቶም ሓለፍቲ መገዲዶ ኣይጠየቕኩምዎምንንምልክቶምከ ኣየስተብሀልኩምዎን ዲኹም፧

31. ንመገዱ ኣብ ቅድሚኡ ዚዘርፎ መን አሎ፧ ነታ ዝገበራ ዚፈድዮ መን አሎ፧

32. ናብ መቓብር ይወስድዎ እሞ፡ ኣብ ኲርባ መቓብር ይሕሉ

33. መሬት እቲ ለሰ ጥዒምዎ አሎ፡ ቅድሚኡ ታኣላው ዜብሎም ከም ዝነበሩ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ኲሉ ሰብ ኪስዕብ እዩ።

34. ካብቲ ምላሽኩም ምጥላም ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ እሞ፡ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ብኸንቱ ተጸናንዑኒ ዘሎኹም፧