1. ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ

2. ሎሚውን ቊዝማይ ይተሃላለኽ አሎ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እህህታይ ትኸብድ አላ።

3. ኣበይ ከም ዝረኽቦ እንተ ዝፈልጥ እሞ፡ ናብ ዝፋኑ ንምብጻሕ እንተ ዝኽእልሲ መን ምሀበኒ።

4. ኣብ ቅድሚኡ ነገረይ መፍሰስኩንኣፈይ ብመርትዒ ምመላእኩ

5. ነቲ ዚመልሰለይ ቃላት ምፈለጥክዎእንታይ ከም ዚብለኒ ኸኣ መስተውዐልኩ ነይረ።

6. በቲ ዓብዪ ሓይሉዶ ኺበኣሰኒ እዩ፧ ኣይፋል፡ ጽን ደኣ ምበለኒ እምበር

7. ሽዑ እቲ ቕኑዕ ምስኡ ምመጐተ፡ ኣነውን ካብ ፈራድየይ ንሓዋሩ ምተናገፍኩ

8. እንሆ፡ ንቕድሚት ኣቢለ እንተ ኸድኩ፡ ኣብኡ የሎን፡ ንድሕሪት እንተ ኸድኩውን፡ ኣይረኽቦን

9. ኣብ ጸጋም እንተ ሰርሔኣይርእዮን፡ ኣብ የማን እንተ ተሐብኤ ኸኣ፡ ኣይጥምቶን

10. ንሱ ግና በየነይቲ መገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፡ ይፈትነኒ፡ ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ እየ።

11. ኣእጋረይ ኣሰሩ ሕዘንተጠንቂቐውን ካብ መገዱ ኣየግለስኩን

12. ካብ ትእዛዝ ከናፍሩ ኣይዘንበልኩን፡ ካብ መዝገበይ ኣብሊጸ ንቓል ኣፉ ሐሎኽዎ።

13. ግናኸ ናቱ ሓሳብ ሓደ እዩ፡ መንከ ይኽልክሎነፍሱ እትደልዮ እዩ ዚገብር

14. ነቲ እተመደበለይ ኪፍጽሞ እዩ፡ ብዙሕ ከምዚ ዘመሰለ ምስኡ አሎ።

15. ስለዚ ኣብ ቅድሚ ገጹ እሽበርእናሐሰብኩ ድማ ብእኡ እስምብድ አሎኹ።

16. ኣምላኽ ንልበይ ኣጃጅይዎእቲ ዂሉ ዚኽእል የሸብረኒ አሎ እምበር፡

17. ኣብ ቅድሚ ጸልማትሲ ኣይጠፋእኩንንጣቓውን ኣብ ቅድሚ ገጸይ ኣይጋረዶን